| ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ፡ እቲ እንኮ ልጓም ዓመጽቲ |
|
|
|
| Written by ብዶ/ር ዳንኤል ረዘነ | |||
| Thursday, 11 June 2009 | |||
|
ኣብ ትሕሳስ 2008 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ሪሰርች ፔፐር ወይ ኣርቲክል) ኮይኑ፡ ብመሰረት መትከላት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ንዕሉላት ገበኛታት ህግደፍ ብሕጊ ንምትሕሓዞም ዘሎ ጭቡጥ ተኽእሎታት ዝሕብር ኢዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ንኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከምኡ ‘ውን ንዝምልከቶም ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ንባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጻውዒትን ምሕጽንታን ዘቕርብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኢዩ። ---------------------------- ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ፡ እቲ እንኮ ልጓም ዓመጽቲ
ብዶ/ር ዳንኤል ረዘነ
መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመበል 18 በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣመኻንዩ ምስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቓት፡ ኣስሚሩ ካብ ዝተዛረበሉ ኣርእስታት ሓደ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ልዕሊኡ ይዅን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዕሉላት ገበነኛታት ክውሰድ ብዛዕባ ዝኽእል ሕጋዊ ስጉምቲ ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሃገረ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ውዒሉ ሓዲሩ ንዕኡ ውን ከረኻኽበሉ ከም ዝኾነ ስለ ዝተገንዘበ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብተርባጽ ርዒዱ፡ ኣብ መትሓዝን መጨበጥን ዘይብሉ ናይ ሃለውለው መደረ ክህውትት ከም ዝቐነየ ርኢናን ሰሚዕናን ኣለና። ፍርሂ ኣብ ዝመንቀሊኡ ብዝሒ ዘረባ ብዙሕ ዘይተደልየ ነገር፡ እንኮላይ ክትሓብኦ ዝደለኻ ስምዒት ኢዩ ዝሞልቚ። ብዙሕ ናይ ተርባጽን ዘይምርግጋእን ዓፈርፈራዊ ምልክታት ድማ ይርአ። እዚ ኾይኑ እቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ክርአ ጀሚሩ ስግኣት ትም ኢልካ ካብ ባዶሽ ዝተገበሰ ዘይኮነስ ቅቡልን ፍሉጥን ምኽንያት ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ግዜ ኣዝዩ ተለዋዋጢ መልክዕ ሒዙ ይምዕብል ከም ዘሎ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ድሕሪ ሰሙን ወይ ድሕሪ ወርሒ እንታይ ክኽሰት ከም ዝኽእል ክትንበየሉ ዘይትኽእል ኣዝዩ ተፈንጃሪ ወጥሪ ብኹሉ ኹርንዓት ይዕብዓብ ከም ዘሎ ‘ውን ንርኢ ኣለና። ንኣብነት ኣብዚ ቐረባ ሳምንታት ብወገን ኢጋድ፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝዘንብ ዘሎ መጠንቀቕታትን ተሪር ተግሳጻዊ መግለጽታትን ብኣቀራርብኡ ይኹን ዋሕዙ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክብድ ዝበለ ቃና ዝሓዘለ ከም ዝኾነ ንማንም ስውር ኣይኮነን። በቲ ኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ሻባይት.ኮም፣ ሓዳስ ኤርትራን ካልእን ክወጽእ ዝቐነየ ወግዓዊ መግለጽታት ናይ ህግደፍ፡ ተርባጽ ዝዓብለሎ ብደርገፍገፍ ዝተጻሕፈ ጥራይ ዘይኮነ ዘይርጡብን ዘይእርኑብን ትሕዝቶታት ዝሓዘለ ኢዩ።
እቲ ወጥሪ ብኹሉ መኣዝን ይጽቀጥ ስለ ዘሎ ነታ ተሪፋ ዘላ ጸባብ መተንፈሲት ቱቦ በብንእሽቶ ይዓብሳ ከም ዘሎ ንግንዘብ ኣለና። ትንፋስ ኣብ ዝሓጽረሉ ግዜ ድማ ዓቕሊ ምጽባብ ንቡር ስለ ዝኾነ’ዩ ህግደፍ መሓውሩ ዘርጊሑ ሰፋሕፋሕ ዝብልን ዝመጣላዕን ዘሎ። ብፍላይ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክውስዶ ዝኽአል ሕጋዊ ስጉምታት ኣብ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ስግኣት ኣሕዲሩ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣመታት ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዑመር ኣልበሽር ናይ መቐየዲ ትእዛዝ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ዝነበረ ሒደት ሳምንታት፡ ህግደፍ “ ... ንህልኽኩም ዓፍራ” ከም ዝበሃል፡ ንኣልበሽር ወግዓዊ ዑደት ከካይድ ናብ ኤርትራ ዓዲምዎ። ካብቲ እዋንቲ ኣትሒዙ ድማ ብተደጋጋሚ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝጻባእ መርገጽታትን መግለጽታትን ምውጻእ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ይርከብ። ብዘይካዚ ብዕለት 2 ሰነ 2009 ውን ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ ሻዕብያ.ኦርግ ነዚ ዝምልከት ሓደ ጽሑፍ ዘርጊሓ ኣላ። እቲ ጽሑፍ ከም ካልእ ጽሑፋት ህግደፍ ዓጀውጀው ዝሕመረቱ፡ ካብ ሱር ነገር ወጺኡ ኣብ ጫሌዳ ነገር ዝህውትት እኳ እንተኾነ፡ ቁሩብ ፍልይ ዘብል ነገር ግን ኣለዎ። እቲ ጽሑፍ፡ ህግደፍ “ከዳዓት” ብዝብሎም ኤርትራውያን ባእታት ንዝተጻሕፈ ካልእ ጽሑፍ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ተባሂሉ ዝቐረበ ብምዃኑ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ግብረ መልሲ ኣብ ህግደፍ ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን።
እቲ ሻዕብያ.ኦርግ ግብረ መልሲ ትህበሉ ዘላ ጽሑፍ፡ ኣብ ትሕሳስ 2008 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ሪሰርች ፔፐር ወይ ኣርቲክል) ኮይኑ፡ ብመሰረት መትከላት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ንዕሉላት ገበኛታት ህግደፍ ብሕጊ ንምትሕሓዞም ዘሎ ጭቡጥ ተኽእሎታት ዝሕብር ኢዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ንኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከምኡ ‘ውን ንዝምልከቶም ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ንባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጻውዒትን ምሕጽንታን ዘቕርብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ድሮ ብመልክዕ መጽሓፍ ተሓቲሙ ዘሎ መጽናዕታዊ ስርሐይ ኮይኑ፡ ኣብ ታሕሳስ 2008 ግን ምስቲ ናይቲ መጽናዕታዊ ምርምር ኣላዪ (ሱፐረቫይዘር) ኮይኑ ዝሰርሐ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፕሮፌሰር ብሓባር ኣብ ኣካዳምያዊ ጆርናል ዘሕተምናዮ ምርምራዊ ስራሕ ኢዩ። ኣብዚ ከተኩረሉ ደልየ ዘለኹ ገለ መሰረታዊ ነገራት ኣሎ። ቀዳማይ ነገር፡ እቲ ዝብሎ ዘለኹ ጽሑፍ ንህግደፍ ክበጽሖም ምኽኣሉ እሞ ድማ “ተገዲሶም” ግብረ መልሲ ምሃቦም ዕላምኡ ክወቅዕ ጀሚሩ ከም ዘሎ የርኢ። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ነገራት ብጭቡጥ ፈሊጦሞ ኣለዉ ማለት ኢዩ። እቲ ስራሕ ካብቲ ብኻልኦት ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣበርክቶታት ዝተፈልየ ኢዩ ማለት ከም ዘይኮነ ግን ከነጽር እፈቱ። ህግደፍ ንብዙሕ ነገራት ከም ዘይተገደስካሉ መሲልካ ጎሲኻዮ ምሕላፍን ትም ምባልን ቀንዲ ናይ ምድንጋር ስትራተጂኦም ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ እዚ ግን ተገዲሶም ግብረ መልሲ ክጽሕፉ ካብ ወሰኑ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ኣሻቓሊ ኮይንዎም ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ይመስለኒ። ብርግጽ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክውሰድ ዝኽእል ሕጋዊ ስጉምቲ ተኽእሉኡ እንዳዓበየ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ህግደፍ ንምሸቱ ምስ ከውሒ ክናጉዑ ምዃኖም እንዳፈለጡ ትም ኢሎም ይቕጽሉ ምህላዎም ኢዩ። ዋላ’ኳ ብዙሕ ነገራት ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ተበላሽዩ ጋሕሚጡ ከም ዘሎ ርዱእ እንተኾነ፡ ካብ ትሩፍ ወይ ዓዲ ውዒል ምዃን ዘለካ ዕድል ተጠቂምካ ነገራት ከተዐሪ ምፍታን ንባዕሉ ሓደ እጃም ኢዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ባህሪኦም ነዚ ከም ዘየፍቅድ ንኸረጋግጹልና መታን ብዘይ ልጓም ኣብ ንቑት ቁልቁለት ብናህሪ ይሓኑ ኣሎ። እቲ ሳዕቤን ርዱእ ስለ ዝኾነ፡ ግዜ ዘለዎ ሰብ እቲ ማዕበል ለኻኺምዎ ከይቅጽል ግልል ክብል ጥራይ ኢዩ ዝግብኦ። ካብኡ ዝተረፈ ግን፡ ከምቲ ኣበው ዝመሰልዎ “ዓሻስያ ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ይጻወት” ምባል ጥራይ እኹል ኢዩ።
(
This e-mail address is being protected from spam bots, you need JavaScript enabled to view it
)
Source: awate.com accessed on 11th June 2009
...
written by israe, November 30, 2009 well done..appriciate you Daniel Rezene,,,we hope soon gone in court den hagg all higdefists rebells..go on my brother we support you...thnx Powered by Azrul's Jom Comment |
|||
| < Prev | Next > |
|---|



