| From a successful 2009 to a promising 2010 - Tig. |
|
|
|
| Written by Arkokabay Team | |
| Thursday, 31 December 2009 | |
|
ሓሙስ ዕለት 31 ታሕሳስ 2009፡ ፍርቂ ለይት ኣብዝቀራረበሉ እዋን፡ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርትን መላእ ዓለም ሓድሽ ዓመትን ብስራት ምምስራት ሓድሽ ሰልፍን ብሓደ ከኽብሩ ክሸባሸቡ ይርከቡ። እዚ ብኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ነበር ምስ ጋሽ ሰቲት፡ ሰልፊ ዲሞክራስን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዝቐውም ዘሎ ሃገራዊ ሰልፊ፡ ውጽኢት ዘይሕለል ጻዕርታትን ኣብ ብሩህ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዝተሞርከሰን እዩ። **************************************** ካብ ዕውት 2009 ናብ ተስፋ ዝመለኦ 2010
እነፋንዎ ዘለና ዓመት፣ 2009 ዓ.ም. በቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕውት መስራቲ ጉባኤ ዜጋታት ንደሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ -ስድሪ ተጀሚሩ። ድሮ ኸኣ ስድሪ ከም ሓደ ኣህጉራዊ በርጌሳዊ ምንቅስቃስ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ግዝኣት ሕግን ኣብ ሃገርና ንክሰፍን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ርኡይ ግደ ኣብ ምጽዋት ትርከብ። ስድሪ ነዞም ዕላማታትዚኦም ንምዕዋት ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝሓሸ ኣገብ ኢዩ ኢላ ትኣምን።
ሓደ ካብ ቀንዲ ንጥፈታት ስድሪ ኣብ 2009፡ እቲ ርኡይን ኣድማዕን ተስታፎኣ ኣብቲ ኣብ ካብ 9 ክሳብ 10ጥቅምቲ 2009 ኣብ ብራስልስ ርእሲ ከተማ በልጅዩም ዝተኻየደ ዕውት ዋዕላ’ዩ ኔሩ። ዋዕላ ብራስለስ ዓበይቲ ሰበስልጣን ሕ.መ.ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ከምኡውን ኤውርጳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ወከልትን ተዋሳእትን ኤርትራውያን በርጌሳውንን ፖለቲውያንን ማሕበራት ኣብ ሓደ መኣዲ ዘራኸበ ኣገዳሲ ዋዕላ’ዩ ኔሩ። ዓወት ናይዚ ዕውት ዋዕላ’ዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ዝካየድ ቃልሲ፡ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስግጋሩ ኣበሲሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ዋዕላ ንኣደናጋሪ ባህርያት ህግደፍ ዝያዳ ንምቅላዕ ሰናይ ኣጋጣሚ እውን ኔሩ። ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣንጻርቲ ዋዕላ ዝተኻየደ ጻዕርታትውን ከይተዓወተ ተሪፉ። ኣቶ ኣምባሳደር ምስ ዝተፈላለያ ኤውሮጳውያን ናይ ዜና ማዕከናት ኣብ ዘካየዶም ቃለ ምልልሳት፡ ኤርትራ ኣብ ጎደና ምዕባለ ትምርሽ ከምዘላን ውሕስነት መግቢ ተረጋግጽ ምህላዋን ክገልጽ እንተፈተነውን ነቲ ጎሊሁ ዝረኣ ክውንነት ክሓብኦ ዝከኣል ኣይነበረን። እዚ ክውንነትዚ ከኣ ነቶም ብኣስታት 4000 ኣብ ወርሒ ዝኾኑ ብቐጻሊ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝውሕዙን ብኡኡ ኣቢሎም ከኣ ንስግር ባሕሪ ዝቕጽሉ ዜጋታት የጠቓልል።
ብተወሳኺ፡ ካልኦት ዘይተጸበናዮም ኣብ ጸላም ክሰርሑ ዝጸነሑ ሓይልታትውን ኣቃሊዑ። ብገለ ዘይበሰለን ዘይተረጋገጸን ናይ ኢንተርነት ሓብሬታ ተደፋፊኦም፡ ገለ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝርከቡ ተበለጽቲ ሓይልታት ንኣቦወንበር ኪዳን ኣጋጊዮም ብናይ ታህዋኽ ቛንቛ እንግሊዘኛ ዝተጻሕፈ መግለጺ ከምዝቕበል ገይሮሞ። እቲ መግለጺ ካብ ብቛንቓ ትግርኛ ዝተጻሕፈ ማሕደር ዝተቶርጎመ ዝተባህለ ኾይኑ፡ ንዋዕላ ብራስልስ ሕርሕራይ ገይሩ ክሃሲ ዝዓለመ’ዩ ኔሩ። ዋላኳ እዚ ተግባር’ዚ ከምቲ ዕላምኡ ንዋዕላ ብራስለስ ጠጠው ከብልን ንተሳተፍቱ ኸኣ ዘይስሞም ከልብስ ወይውን ብዘይገበርዎ ከወንጅል ከምኡ ድማ ንውጽኢታት እቲ ዋዕላውን ከናሹ ኣይብቃዕ ደኣምበር፡ ንኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮምሲ ዓቢ ዘይሓሰቦ ህያብ’ዩ ኔሩ። እቲ ዝወጸ ዘሕፍር ናይ “ኪዳን” መግለጺ ይኹን እቲ ንዑኡ ምኽኑይ ተግባር ንምምሳል ስዒቡ በቶም ዋናታቱ ዝተደጋገመ ተግባራት፡ ንመራሕትን ልኡኻትን ህግደፍ ስርሖም ነኪዩሎም። ልኡኻት ህግደፍ ከኣ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኢርትራዊ ገዲፎም ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣድሂቦም። ምኽንያቱ ኸኣ እቶም ዕላማ ዝሰሓቱ ባእታታት ንስራሕ ልኡኻት ህግደፍ ናትና ኢሎም ተተሓሒዞሞ ስለ ዝቐነዩ።
ብድሕሪ ዋዕላ ብራስልስውን ካልእ ዝያዳ ጽዑቕን ኣፍራይን ንጥፈታትን ኣኺባታትን ስዒቡ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመት ኸኣ እቲ ኣብ ከተማ ለንደን ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 19 ትሕሳስ ብዓወት ዝተዛዘመ ዋዕላ ሰላም መጸ። እዚ ብኤርትራውያን ዝተዳለው ዋዕላዚ ኸኣ ብዙሓት ዝተፈላለየ ናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ሞያን ድሕረባይታ ዘለውም ኤርትራውያን ካብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም ዝኣከበ ዋዕላ እዩ ኔሩ። ብዛዕባ ኣገዳስነት ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቁጠባዊ ረብሓታት ሰላምን ሓባራውን ሰላማውን ኣፈታትሓ ግርጭታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከኣ ዘቲዩ።
ሓሙስ ዕለት 31 ታሕሳስ 2009፡ ፍርቂ ለይት ኣብዝቀራረበሉ እዋን፡ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርትን መላእ ዓለም ሓድሽ ዓመትን ብስራት ምምስራት ሓድሽ ሰልፍን ብሓደ ከኽብሩ ክሸባሸቡ ይርከቡ። እዚ ብኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ነበር ምስ ጋሽ ሰቲት፡ ሰልፊ ዲሞክራስን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዝቐውም ዘሎ ሃገራዊ ሰልፊ፡ ውጽኢት ዘይሕለል ጻዕርታትን ኣብ ብሩህ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዝተሞርከሰን እዩ። ናይ ህዝብና ትጽቢታት፡ ማለት መሰል ዋንነት መሬትን ንብረትን፡ ባህላዊ ብዙሕነትን ፖለቲካዊ መሰላትን፡ ኣብ ቅዋም ዝተሞርከሰ ዘይምእኩል ምሕደራን፡ ጉጅላውን ውልቃውን ሰብኣዊ መሰላት ወዘተ ዘጠቓለለ መደብ ዕዮ ኸኣ እዩ። እዚ ሓድሽ ሰልፍዚ እምበኣር፡ንዲሞክራስን ፍትሕን ዝቃለሱ ሓይልትትን ባእታታትን ብምምራሕ ኣብቲ ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝካየድ ቃልሲ ዓይነታዊ ተራ ክጻወት ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚዚ፡ መርበብ ዓርኮከባይ፡ ንዝምስረት ዘሎ ሓድሽ ሰልፊ፡ንናይ ኤርትራ ፖለቲካውን ሲቪካውን ሓይልትታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ብሓፈሻ፣ ናይ ሰላም ፍስሃን ሓድሽ ዓመት ትምነ።
ምልኪ ኣኽቲሙ 2010 ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ናይ ዝሰፈና ኤርትራ ዓመት ክትከውን ተስፋ ንገብር።
ኣዳለውቲ መርበብ ዓርኮከባይ
ታሕሳስ 2009
Powered by Azrul's Jom Comment |
|
| Last Updated ( Monday, 07 June 2010 ) |
| < Prev | Next > |
|---|




