| Shared View & joint work for 2010 |
|
|
|
| Written by Suleiman Mandar | |
| Saturday, 16 January 2010 | |
|
እዚ ሕጂ ክንተሓሓዞ ደሊና ዘሎና ዕዮ እምብኣር ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ዓቅምታትና ብምጥርናፍ ነቲ ብከንቱ ዝጠፍእ ዘሎ ጉልበንት ተባላሓትነትን ብምእራም፡ ነቲ ንደልዮ ዘሎና ናይ ሓባር ሸቶ ንምቓዕ እዩ፡ ዘይከኣል ዕላማን ሸቶን ድማ ኣይኮነን እንተድኣ ብንጽህናን ብሰናይ ተበግሶን ተላዒልና።
***************************************** ናብ ሓባራዊ ራኢን ሓባራዊ ናይ ስራሕን ፍጻሜን 2010
መእተዊ
ብዘይ ምጥርጣር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ ይሳቀ ከምዘሎ ኲሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ዉድባቱን ቃልሶም ጠጠዉ ኣየበሉን ይኩን፡ እምበር እቲ ቃልሲ ኣብ ገለ ምድረኽ ይደክም ኣብ ገለ መድረኽ ከኣ ይብርትዕ ምንባሩን ምህላዉን’ዉን ንኩልና ብሩህ እዩ። ብፍላይ ከኣ እተን ተቓወምቲ ዉድባት/ተስፍታት ኣብ ገለ መድረኻት ይሰማምዓ ኣብ ገለ መድረኻት ከኣ ሰለዝበኣሳ ኢቲ ቃልስቲ ከምቲ ዝድለ ኣይደንፈዐን ዘሎ።
እዛ ጽሑፍቲ ኣዚ ነቅርባ ዘሎና ንናይ ሓባር ስራሕን ናይ ሓባር ራኢን ነቲ ናይ ተቓዉሞ ደንበ እተገልግል እያ። ምስኡዉን ነተን በርገሳዉያን ማሕበራት ብዝሰፍሐ ኣገባብ ነቲ ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝሕሉዉ መሰረታዊ ለዉቲ ንህመጽእ ግደአን ዘበርክታሉ መደረኽ ንምፍጣር ኢዩ።’
ንምብርሁ
እቲ ዕላማ ነቲ ኣሉታዊ መግለጽታት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣሊካ ናብ ኣወንታዊ መልክዕ ንምስጓምን ከምእዉን ብዝዓበየ ናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ካብቲ ኣሉታዊ ኲነታትና ንክንወጽእ ባይታ ምፍጣር እዩ ። እዚ ከኣኒ ነቲ ኤርትራዊ ዲሞክራሳዊ ኪዳን መዲብዎ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ የዐዉቶ እዩ።’
ብከመይ ንምንታይን?፡
ኣብ ሓደ ንእስ ዝበለ ኣኼባ ሓንቲ ኣካያዲት ሽማግለ ምምራጽ ንኣብነት ኣብ ናይ ፓልቶኽ ኣዳራሽ
ዕላማ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መኸራን ኣቓልቦ ሕብረ-ተሰብ ዓለም ከምዝረክብ ምግባር።
ናይ ተቓዉሞ ደንበ መግለጺታት ዝተወሃሃደ ከምጽኸዉን ምግባር።
ነቲ ናይ እቲ ስርዓት ፖሊሲታንት ፖሎቲዊ መግለጺታትን ብኣግኡ ንምፍሻሉ ብትብዓት ምምካቱን ምቅላሱን።
ኣብ’ዚ ናይ ሓባር ስራሕ ተሳታፍነት ናይ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን/ሰልፍታትን በርገርሳዉያን ማሕበራትን ምርርግጋጽ።
ንሕብረት፡ ሕድሕድ ምትሕግጋዝን ምሕትያልን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ማሕበር-ኮማት ምስራሕ።
እዚ ናይ ሓባር ስራሕ እዚ፡ ነቲ ናይቲ ስርዓት ጸለመ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይልታት ብሓባር ክሰርሓ ኣይክላን እየን ዝብል ጸለመ የፍሽሎ።
ነቲ ኣብ ሞንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ናይ ነድሕድሕድ ጸለመ ደዉ ብምባል ኣብ 2010 ንህዝቢ ኤርትራ ብስራት ይኮኖ።
ዓቅምታት/ብቅዓታት
ብብርክት ዝበላ ማሕበራትትን ዉድባትን/ሰልፍታትን ኣብ ገለ እዋናት’ዉን ብዉልቃዉያን ተሳታፍነት ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየዱ ጽኒሖም እዮም። እንተኮነ ግን ብዝሒ ናይ ተሳፍቲ ካብ ኣባላት ተቓወምቲ ሓይልታት ይኩን ካብ ህዝቢ ይውሕዶ ነይሩ እዩ፡ ኣብ ገለ እዋናትዉ’ን ናይ ስራሕ ጽፈትን ተሞክሮን ይሓጽሮ ምብባሩ ንኲልና ብሩህ እዩ። እዚ ሕጂ ክንተሓሓዞ ደሊና ዘሎና ዕዮ እምብኣር ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ዓቅምታትና ብምጥርናፍ ነቲ ብከንቱ ዝጠፍእ ዘሎ ጉልበንት ተባላሓትነትን ብምእራም፡ ነቲ ንደልዮ ዘሎና ናይ ሓባር ሸቶ ንምቓዕ እዩ፡ ዘይከኣል ዕላማን ሸቶን ድማ ኣይኮነን እንተድኣ ብንጽህናን ብሰናይ ተበግሶን ተላዒልና።
ሳዕቤናት
እዚ ናይ ሓባር ተበግሶ እዚ ነቲ ስርዓት ኣብ ዓቢ ዕንወት ከብጽሖ እዩ። ዋላ እዃ ካብ መሰረቱ ምሕዩ ኣንተዘይዉደቆ ሰንከልከል ከምዘብሎ ንጹር እዩ። ብተወሳኪ ኣብ ሞንጎ እቶም ደገፍቱ ድማ ራዕዲን ሽበራን ከአትወሎም እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ ምቅዋም ሞራሉ ክብ ከብሎ እዩ። ከምእዉን ነቲ ንለዉጢ ዝቃለስ ዘሎ ዉድባትን/ሰልፍታትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝዓስሎ ክኸዉን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣልዩ መሰረታዊ ለዉጢ ንምምጻእ ዝለዎ ድልየት ከበርትዖ እዩ።
መርገጻት
ሀ) እቲ ስርዓት ብዘልዎ ዓቅምታት ነዚ ተግሶ እዚ ንምፍሻሉ ክቃልሰና ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
ለ) ብኣንጻሩ ነዚ ተበግሶ እዚ ዝኮነት ትኩን ዉድብ/ሰልፊ ክትዕንቅፎ ኢያ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና፡ ምክንያቱ ኲለን ተቓወምቲ ሓይልታት እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ክቕየር ከምዘለዎ ዝሰማማዓሉ ነጥቢ እዩ። እቲ ፍልልያተን ዘሎ ብከመይ ነዚ ስርዓር ንእለዮ ኣብ ዝብል እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ከኣኒ ካብቲ ናይ ስርዓት ክእለ ከምዘለዎ ዝብል ዝተሓተ ነጥበ ስምምዕ ስለ ዘይሓልፍ ጸገም ዘጓንፎ ኣይመስለንን። ስለዚ ኩሉ ተቓዋማይ ሓይሊ ክዓስሎ ይግባእ። ሰለምታይሲ ሓዲሽ ወጋሕታ ብርሃን ብኳን ናይ ምቅላስ ሓይልና ሰለዘሐይሎ።
ሐ) በርገሳዉያን ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ጽቡቅ ታሪኽ ክጻወቱ ንጹር ዝኮነ ራኢን መደብ ዕዮን የድሊ።ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽቡቅ ታሪኽ ዝተፈጸመ ህጂዉን ክድገም ይክእል እዩ።
ሜላ
ፖሎቲካዊ መዳይ ናይዚ ተበግሶ እዚ ናብ ኲሉ ምስርጫዉ። ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ መላእ ተቓዉሞ ደንበ ንክባጻሕ ኤርትራዊ ደሞክራሳዊ ኪዳን ዝዓበየ ግደ ክጻወት ኣለዎ።
መራኸቢ ብዙሃን (Media)
ጉዳንይ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ፖሎቲካዊ ቓልሲ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ማንም ዘይስሕቶ እዩ። ስለዚ ቡቑዓት ዝኮኑ ጋዜጠኛታት የድሊ።
ሀ) ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝግበር ግፍዕታትን ወጽዓን ኣብ ወጻኢ ከቃልላሕን ኽበጽሕን ክኽእል ኣለዎ።
ለ) ኣብ ዉሽጢ ዘሎ መራኸቢ ብዙሃን ንህዝቢ እቶም ኣብ ወጻኢ ብተቓወምቲ ደቁ ዝግበሩ ቃልሲታት ከምዝበጽሖ ክገብሩ እለዎም። 2010 ብናይ ሓባራዊ ራኢን ሓባራዊ ስራሕን ተበጊስና ከምዘሎና ንህዝቢና ከበስርዎ ኣለዎም።
ህዝቢ
እታ ሽማግለ ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቃ ተላዕል ከምኡዉን ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርካብ ትጽዕር
ምሕደራ
እታ ሽማግለ ኽእለታትን ብቕዓታትን ዘለዎም ዉሩያት ዜጋታታት ክትመርጽ ኣለዋ። ምእንቲ ነቲ ህዝቢ ከተላዓዕል ብተወሳኺ እንተድኣ ፍልልያት ተረኺቡ ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ እትፈትሓሉን ናብ ንቡር ቦትኡ እትመልሰሉን መካኒዝም ከተጥሪ እለዋ።
ለበዋ
እታ ሽማግለ ነቲ እትረኽቦ ዕድላት ብዝለዓለ ደረጃ ኽትጥቀመሉ ክትክእል ኣለዋ። ንኣብነት ብናይ ኢንተርነትን ፓልቶክን ርኽኽባት ምክያድ ክምልሙድ ክትወስዶ ኣለዋ።
መደምደምታ
እዚ ተበግሶ እዚ ዕዉት ንኽከዉን ደገፍ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ክረክብ ኣለዎ። ብፍላይ ከኣ ኤርትራዊ ደሞክራሳዊ ኪዳን። ከምኡዉን እተን ኣብ ስደት ዘለዋ በርገሳዉያን ማሕበራት ኣብ ጎድኑ ጠጠዉ ክብላ ኣለወን።
ብሓባር ኮይና ንቃለስ ዲክታቶራዊ ንስርዓት ክንምክት
Powered by Azrul's Jom Comment |
| < Prev | Next > |
|---|




