Radio Arkokabay
Radio Arkokabay
English
Home
Articles-Opinions
Interviews
History
Documents
Radio Meselna
Radio Erena
Arko Facebook
Afar Affairs
Contact us
About us
Polls
Arkokabay Editorial
Editorial:Reflections and Directions

Wednesday, 01 September 2010 | Arkokabay Team

 at the risk of being accused of siding with one side of the opposition against “another”, we praise the EPDP for their far-sightedness and consistent position on the issue of the “EDA...
+ Read More

Other Articles
Afar Affairs
Afar Refugee Camp, in Aysaita and Barhlee

Tuesday, 31 August 2010 | Human Concern International

A Humanitarian Crisis HELP NOW Afar Refugee Camp, in Aysaita and Barhlee Total Registered Afar Refugees: 24, 000  Severe malnutrition/Starvation  Diarrhea  Increasing...
+ Read More

Other Articles
New Titles
First NA EPDP Regional Congress

Saturday, 28 August 2010 | EPDP-North America

 The congress reaffirmed support for the peaceful and democratic strategy of struggle EPDP adopted in the fight against the PFDJ ruling regime in our country. This is effective and realistic...
+ Read More

Other Articles
Newsflash
The Charles Taylor trial and the lesson for our Rulers

According to the Special Court for Sierra Leone Taylor is accused of at least eleven accounts of crimes. Five of them involve Crimes against Humanity, another five relate to War Crimes and a further one to violations of International Humanitarian Law...When reading through the above eleven accounts of crimes one discovers the similarities of the crimes allegedly committed by Charles Taylor to those that are being committed by our own rulers in Eritrea.

Read more...
 
Reflections on CDRiE's London Symposium PDF Print E-mail
Written by Dr. Yebio W/Mariam   
Sunday, 17 January 2010

ካብ ከበሳ ናብ መታሕት ብምውራድ ነቶም ብተፈጥሮ ሳዕሪ በቝል ዝኾኑ ቦታታት ብምግባት ብድሑር ናውቲ ማሕረስን ብዘይተመሓየሹ ኣዝርእትን፡ ዕዮ ሕርሻ ብምክያድ ናይ ምግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝግበር ሃተውተው ንሓዋሩ ጠንቂ ናይ ተሳኒኻ ምንባር ክኸውን ከምዝኽእል ተሳተፍቲ ዕሙቕ ዝበለ ግንዛቤ ከም ዘሕደሩ ክርዳእ ክኢለ።

 ****************************************

ጦብላሕታ፡ ናይ ሎንዶን ሲምፖስየም

 

ብዶር. የዕብዮ ወልደማርያም  

 

ብጥሪ 9 ኣብ ሎንዶን ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ሓዘል ሲምፖስየም ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ዘመዝገቦም ሸቶታ  እንተሃለዉ፣ ተኻፈልቲ ብዘይቐይዲ ውዕዉዕ ዘተ ከካይዱ ብምኻአሎም ኢዩ። መጀመርያ ካብቲ ንዓይ ዝመሰጠኒ ፍጻሜታት ሓደ ፡ግዝያዊ ሕቶ ምዃኑ እንተተአመነሉ፡ ግንከስ ነቲ ኣርእስቲ ብዘይምግባዝ ኣልዒልካ ብህድአትን፣ብስለትን ምዝታይ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልአይ ድማ ዓቢኡ ንእሽታኡ፣ ከበሳዊ መታሕታዊ፣ ኣስላምይ ክርስትያናይ፡ ንህንጸት ሃገር ዘድልዩ ቅድመ-ኩነት ንምምልእ ዓቢ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ብምግንዛብ ይኸውን። ካብቶም ኣገደስቲ ተብሂሎም ዝቐረቡ ርእሰነገራት ብኽፋሉ ናይ መሬት አጠቓቕማ አብ ዓዃይን  አርብሕቲ ከብቲን ዘለዎ ጽልዋ ናይ ብሔር ብሔራት መሰላት ከምኡውን ወግዓዊ ቛንቛታት መንግስቲ ዝኾኑ ትግርኛን ዐረብን ብዘይአድልዎ ክምዕብልሉ ዝኽእሉ ባይታ ምፍጣር ዝአመሰሉ ነበረ። ብሕልፊ ድማ ካብ ከበሳ ናብ መታሕት ብምውራድ ነቶም ብተፈጥሮ ሳዕሪ በቝል ዝኾኑ ቦታታት ብምግባት ብድሑር ናውቲ ማሕረስን ብዘይተመሓየሹ ኣዝርእትን፡ ዕዮ ሕርሻ ብምክያድ ናይ ምግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝግበር ሃተውተው ንሓዋሩ ጠንቂ ናይ ተሳኒኻ ምንባር ክኸውን ከምዝኽእል ተሳተፍቲ ዕሙቕ ዝበለ ግንዛቤ ከም ዘሕደሩ ክርዳእ ክኢለ። ዝሓለፉ መንግስትታት ኣቓልቦ ከይገበርሉ፣ ሕጂውን እንተኾነ እዚ ነዳይ መንግስቲ ሻዕብያ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሰፈራ ወፈራ ንመግቢ ውሕስነት ከምዘየረጋግጽ፡ የግዳስ ናይ ሓድነት ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግንዛብ ብአጋኡ ክብዳህ ከምዝግባእ ዝቀረበ ጽሑፍ ኣስሚርሉ። ከበሳታት ኤርትራ መሬቱ ተባሕጒጉ፣ ማይ ምንጩ ደሪቑ፣ ኣፍላጋቱ ማይ ሓሪምዎ ኣብ ምድረ በዳ ዝልወጥ ዘሎ ታሪኻዊ ምልክዓ-ምድሪ፣ ብዕምቖቱ ጥልቕ ዝበለ ምስሳይ ከምዘድልዮ እሙን ኢዩ። ካብቶም ክውሰዱ ዘለዎም ስጒምትታት ድማ ሓረስታይ ክጥቀመሎም ዝኽእሉ ሕርሻዊ ምኽርታትን ኣስተምህሮን ምሃብ፣ ቐጺሉ,ውን ብተክኒካዊ መጽንዕቲ ዝተሰነየ ናይ መሬትን ማይን ዕቀባ ክካየድ ከምዝግባእ ተሳተፍቲ ተገንዚቦም። ኣብዚ ብተወሳኺ ክግለጽ ዘለዎ ጉዳይ፡ ሕርሻ ናይ ኤርትራ ንምስሳይ ይኹን ንምምዕባል ብተናጸል ዘይኮነስ ምስተን ኣብ ኣከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዘካይድኦ ፈተነታትን ፍጻሜታትን ውጥንካ ኣዋሂድካ ምስላይ/ምጓዐዝ (ሰለይ ምባል) የድሊ። ናይ ተወሃሂድካ ምስራሕ ስትራተጂ ረብሓኡ ድግግሞሽ ኣወጊዱ ማተሪያላዊን ሰብአዊን ንዋይ ስለዝቑጥብ ኢየ ኣጽኒዔ ዝድግፎ። ኣብ መወዳእታ ናይ መታሕት መሬት ካብ ከበሳ ፈሊኻ ዘይትርእዮ ብጣዕሚ ተአፋፊን፡ ተምባእን፡ ሕንቁቕን ስለዝኾነ ካብ ምግሃሱ ምቑጣብ ይግብእ። መሬት መታሕት  ናይ ኤርትራ ኩለንተናዊ ናይ ሽግር መግቢ  መፍትሕ ክኸውን አይክእልን ኢዩ። እንታይደአ ንዝመጽእ ግዜ ናይ መግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ናይ ሞትን ሂወትን ቃልሲ፡ ሓጋዝን ተወሳኽን ክኸውን ከምዝኽእል ጌርካ ምውሳዱ ይግብእ። ካብ ሓሊፉ ግን አብ መሬት መታሕት ፍጹም ጠመተ ምግባር፡ ንኽዘርግ/ንኽብትን ዝተዓጥቀ ባእታ ሰፊሕ ማዕጾ ከምምኽፋት ይቑጸር።

 

ካብዚ ሓሊፉ ብመንእሰይ ተመራማሪ አሕመድ ዝቀረበ ናይ ብሔር ብሔራት መሰል ክኸውን እንከሎ፡ ሙሁር ኣሕመድ ዘስመረሉ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ደቂ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ብሔራት ኤርትራ ተጻቦአዊ ግርጭታት ከምዘየለ እንታይድ ዘተሓባብርዎም ይኹኑ ዘሳንይዎም ረቛሒታት ብዝያዳ ከምዘለው ብሰነድ ዝተሰነየ መረዳእታታት አቕሪቡ። ደቂሰባት ብመሓውራት መራኸቢ ከም መንገድታትን፣ ጽሑፍን ፣ጊዜ ብዘምጽኦ ኤለክትሮኒካዊ ጥበብን ምስ ዝተአሳሰሩ ጥራይ ኢዮም እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዐቢ ጋግ ከምእምንት ዝርእይዎ። ካብ ዝፈላልይዎም ነገራት፡ ሓደ ዝገብሮም ብኽብደት ከምዝምዝንውን የስተውዕሉ።  ሓደ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ዝኽእል ምስ ዝጸዋወር፣ ዝከባበር፣ ካብ ብኣሉታዊ  ብኣወንታዊ መንፈስ ክግዛእ እንከሎ ምዃኑ ተሰሚርሉ። ካብዚ ቀጺሉ ሃይማኖት ናይ ብሕቲ፣ ሃገር/መንግስትን ናይ ሓባር ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ናይ ምዕራባውያን ተመክሮ ማእከል ብምግባር ሃይማኖት ንምሕደራ ሃገር መሰናኽል ክኸውን ከምዘይብሉ ብንጹር ቀሪቡ። ቋንቋ ዐረብ ብዝምልከትውን ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።  ምትእትታው ቋንቋ ዐረብ ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ምዃኑ ካብዚ ብምብጋስዩ ድማ እታ ከም lingua franka ኮይና ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከተገልግል ዝጸንሔት ቋንቋ ከም ወግዐዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኮይና ክትስየም ዝኸኣአለት። ካብዝቐረበ ጽሑፍ ክንርድእ ከም ዝኸኣአልና፣ ዐረብኛ ብውግዒ ሓንቲ ካብተን ቋንቋ ኤርትራ ተባሂላ ክትስየም እንኮላ ፓርላም ናይ ኤርትራ 37 ድምጺ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቅበሎ እንኮሎ፡ ተቓወሚ ድምጺ 2 ጥራይ ነበሩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን 28 ኣባላት ካብ ድምጺ ምሃብ ተቖጠቡ. ካብቶም ብአወንታ ዘድመጹ ኣባል ፓርላማ ዝነበሩ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል ክሕትቱ መብዛሕታኦም አስላም ኣሕዋትና ቋንቋ ዐረብ መሰነይታ ትግርኛ ይኹን ካብ በሉ ክንቋወሞ የብልናንየሉ፡

 

ኣብ ሲምፖስየም ዝቀረቡ ጽሑፋት ብሰለስተ ቋንቋ ኮይኑ፡ ዐረብኛ ሓንቲ ካብአን ነበረት። እቲ መደረ ይኹን፣ ሓተታ፣ ሕቶን መልስንውን እንተኾነ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ነበረ። ሓፈሻዊ ግምገማ ናይቲ ኣኼባ ምጥቓስ ምስ ዘደሊ ቑም ነገር ከም ዝነበሮ ንዕዘብ። ከምውን ግሉጽ  ኣብ ርእሲምንባሩ፡ ተሳተፍቲ ኣስተምህሮ ዝረኸብሉ ይመስል። እዚ ብጥሪ 9, 2010 ኣብ ሎንዶን ዝተገብረ ሲምፖስየም ፡ነቲ በብማዕከኑ ዝካየድ ዘሉ  ኣስትምሁራዊ መጋባእያታትን፣ ኣኼባታትን፣ ፓልቶክን ተወሳኺ ድጋፍ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እዚ ኣብ ሎንዶን ዝተኻየደ አኼባ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሚንያፖሊስ ሚኒሶታ፣ ሲንሰናቲ ኦሀዮ፣ ኦክላንድ፡ ከማኡውን ኣብ ኣትላንታ ዝካየድ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ፈሊኻ ዝርኤ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዓላማ ናይ እዞም ዝተፋላለዩ ኣኼባታትን ዋዕላታትን፡ ወዲ ሰብ መሰሉ ዝሕለወሉ፡ ኣብ ክንዲ ውግእን ወረ ውግእን ብሰላም ሂወቱ ዝመርሓሉ መንገዲ ንምንዳይ ስለ ዝኾነ። ነዚ ተዐሊሙ ዘሎ ኣብ ግብሪ ንምውዐል  ግን ተሳትፎ ብዙሓት ይሓትት፣ ብፍላይ ድማ ብንዋይ ይኹን ብሓንጎል ከበርክቱ ዝኽእሉ ደቂ ሃገር። ስድሪ ነዚ ስምፖስየም ከተዳሉ ካብ ዝደረኻ ሓደ ምኽንያት እዚ ኢዩ።

 

Comments (1) >> feed
...
written by عربي اريتري, January 17, 2010

إريتريا دولة عربية وإسلامية قريباً أو بعيداً بإذن الله

Write comment


Write the displayed characters


Powered by Azrul's Jom Comment
busy
 
< Prev   Next >
راديو عركوكباي
راديو عركوكباي
عربي
الصفحةالرئسية
أراء ومقالات
حوارات
التاريخ
من نحن
راديو مسلنا دلينا
راديو ارينا
قضايا عفرية
كلمة عركوكباي
اتصل بنا
كلمة عركوكباي
تأملات وخيارات

Wednesday, 01 September 2010 | كلمة عركوكباي

 اذا كانت "المفوضية" مستقلة عن التحالف تماما وتستمد شرعيتها ومرجعيتها من الملتقى الأخير ومن الجهة...
+ Read More

Other Articles
Arkokabay Facebook


مقالات حديثة
رحيق المنابر -18

Friday, 03 September 2010 | اخوكم / محمد جمعة ابو الرشيد

        يفهم من النصوص بأن الخصومات كانت سبب فى اخفاء ليلة القدر ، فهل يمكن أن تكون سببا ايضا في...
+ إقراء مزيد

مقالات أخرى
 

© 2010 Welcome to Shakat.com - ما ينشر من مقالات في موقع عركوكباي.كوم يعبر عن رأي صاحبه ولا يعبر بالضرورة عن رأي الموقع والقائمين عليه. The views expressed in articles published on Arkokabay.com are those of the authors alone. They do not necessarily represent the views or opinions of Arakokabay.com or its Editorial Board
 Seitenanfang