| ራኢና:ናይ ለውጢ ሓይልታት የድሉዩና አለው |
|
|
|
| Written by ቃል ዓርኮከባይ | |
| Tuesday, 06 April 2010 | |
|
እወ፡ ንዘለካ ፍልልያት ንምጽባዕ ዋዕላ ምክያድ ጽቡቕ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ ንዅሉ ዘሳትፍ ዋዓላ ንምክያድ ግን ኣገደስቲ ቅድመ-ዅነታት ኣሎ። ብመጀመርታ እቲ ፕሮጀክት ወይ መደብ ብጸግዒ ዘይብሎም ብህዝቢ ክብሪ ዝውሃቦም ሰባት ክብገስን ክውሃሃድን እምበር፡ ብሽርሕን ቅርሕንትን ጽልእን እተሓመሱ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ክግበር ኣይግብኦን። ብኸምዚ መንገዲ ጥራይ ድማ እዩ ኣገዳሲ ሃገራዊ ኣጀንዳ ነቶም ተጻራሪ ፍልልያት ብምፍዋስ ናብ ሓደ ማኣዲ ብምምጻእ ንቅድሚት ንኽስጉም ዝኽእል። ******************************************* ናይ ለውጢ ሓይልታት ካብ ኣብ ማንም ግዜ
ንላዕሊ የድሉዩና ኣለዉ!!
(ነዚ ጽሑፍ ንምድላው ዘተባበዐና ብኤደኪ ዝተሰደልና ሓፈሻዊ ጻውዒት እዩ;: ብቲ ጻውዒት መሰረት ድማ ርኢቶና አብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤደኪ በዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ነቅርብ)::
ድሕሪ ሶቬት ሕብረት ኣብ 1989 ዓ.ም ካብ ኣፍጋነስታን ሰራዊታ ምንስሓባ፡ ናይ ኣፍጋን ተቓወምቲ ሓይልታት ኣንጻር እቲ ኮሚስታዊ ምልኪ ፕረዚደን ናጃቡላህ ሓይለታቶም ከተሓባብሩን ብሓደ ንኽጥርነፉን ኣብ ፓኪስታን ዋዕላ ተኻይዱ። ድሕሪ ምእላይ እቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጢ እተን ተቓወምቲ ሓይልታት ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣብ ቃልዕ ብምውጽኡ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ኵናት ሕድሕድ ተባሪዑ። እቶም ተቓወምቲ ነበር ሓይልታትን ስሱዓት መራሕቶምን፡ ነቲ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዓላ ዝኣተውዎ መብጽዓ ብምጥላም ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕን ኣዕናዊ ኵናት ንኣፍጋንስታን ብምሽማም ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብተን ኣስጋእቲ ቦታታት ቀይሮማ። እዚ ክኸውን ዝክኣለሉ ምኽንያት ቅኑዕን ሓቐኛን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምትካል ድሌት ኣብቶም ሓይልታት ብዘይምንባሩን፡ ሃናጺ ዘይኾነ ናይ ደገ ጽልዋታት ስለዝነበረን እዩ።
ዳርጋ ዅለን እዘን ኣብ ጊዜና ንርእየን ዘሎና ፍሹላት ሃገራት፡ ሶማልያ ወሲኽካ፡ ፍሹላት ሃገራት ንክኾና ዝበቕዓ ቅኑዕን ሃናጽን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ሓይልታት ናይ ለውጢ ብዘይምንባሮም እዩ። እቶም ኣብዘን ሃገራት ኣብ ኲናት ዝተጸምዱ ሓይልታት እንተሪእናዮም ብክልተ መንገዲ ክግለጹ ይኽእሉ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፍልልያትን፡ ውልቓዊ ረብሕኦም፡ ጽልእን ቅርሕንትን ዕሽሽ ኢሎም ንዅሉ ሃገራዊ ረብሓታት ዝጠርንፍ ኣጀንዳ ቐዳምነት ንምሃብ ፍቓደኛታት ካብዘይ ምዃኖምን፡ ወይ ድማ ንናይታ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ሓይሊ ጸብለል ክብለሉን ክዕብልልን ናይ ምድላይ ድልየት ስለዘሎን እዩ።
እዚ ኣብዚ እዋን ዘሎ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ባይታ፡ ብስስዐን ጸቢብን ፈላላይን ቅርሕንትታት ዝተለበደ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ገለ ሓይልታት ህላውነቶም ዘረጋግጽሉ ሜላ ኣብ ውሽጢ ህዝብናን እንተላይ ፖለቲካውያን ሲቪካውያንን ማሕበራት ከይተረፈ ጽልእን ቅርሕንትን ብምዝራእ ጥራይ እዩ። ነዚ ተለበዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ንምስጋር ንኹሎም ሓይልታት ናብ ሓደ ማኣዲ ብምምጻእን ነቲ ሓቐኛ ደላይ ለውጢ ከነሐይል ክንሰርሕ ክንሓንከሉን ክንሃድመሉን ዘይብልና ጉዳይ እዩ። እቲ ዝጽበየና ዘሎ መንገዲ ለውጢ ነዊሕ ጉዕዞ ዝሓትት እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ግና እቶም ሰብ ቕኑዕ ሕልናን መብጽዓን ክዕወቱ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሎሚ ቅነ፡ ብዛዕባ ዋዓላ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝምልከት፡ ንግዜን ንኣቃውማ ኣደላዊት ኮሚቴ፡ እቶም ነቲ ዋዓላ ዝመርሑ ዕዱማትን ዝምልከት ዘረባን ክትዓትን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ። ዋላ’ዃ እዚ ዝጥቐስ ዘሎ ዋዕላ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብኪዳን ዝተገብረ ዋዓላታት ፍልልይ እንተዘይሃለዎ፡ በቶም ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ናይ ምድያብ ሕልሚ ዘለዎም ዝግበር ባዶሽ ታህዲዳትን መብጻዓታትን ወይውን ተዋስኦታትን ህዝቢ ክደናገር የብሉን። ብኣንጻሩ ግን፡ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ታሪኽ ናይ ሃገርና ነቶም ደሞክራስያውን መሰረታት ዝውክሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ሐደ ብምጥርናፍ፡ ናይ ካልኦት ዘይኮነ ናቶም ዝኾነ ቅሉዕ ሓባራዊ ኣጀንዳ ብምሓዝ፡ ናይ ምምራሕ ተርኦም ዝጻወትሉ ግዜ እዩ።
እወ፡ ንዘለካ ፍልልያት ንምጽባዕ ዋዕላ ምክያድ ጽቡቕ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ ንዅሉ ዘሳትፍ ዋዓላ ንምክያድ ግን ኣገደስቲ ቅድመ-ዅነታት ኣሎ። ብመጀመርታ እቲ ፕሮጀክት ወይ መደብ ብጸግዒ ዘይብሎም ብህዝቢ ክብሪ ዝውሃቦም ሰባት ክብገስን ክውሃሃድን እምበር፡ ብሽርሕን ቅርሕንትን ጽልእን እተሓመሱ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ክግበር ኣይግብኦን። ብኸምዚ መንገዲ ጥራይ ድማ እዩ ኣገዳሲ ሃገራዊ ኣጀንዳ ነቶም ተጻራሪ ፍልልያት ብምፍዋስ ናብ ሓደ ማኣዲ ብምምጻእ ንቅድሚት ንኽስጉም ዝኽእል። ሕማቅ ኣጋጣሚ ኾይኑ ድማ፡ ኪዳን በዚ ሕጂ ዘለዎ መሪሕነትን ኣቓውማን ጸግዒ ዘይብሉን ንኹሉ ዝሓቁፍን ስለዘይኮነ፡ ንዅሉ ሓይልታት ክሓቁፍ ዝኽእል ሃገራዊ ዋዕላ ኸአንግድ ኣይክእልን እዩ።
ሓያል ፖለቲካዊን ሲቪካዊን ምንቅስቓስ ናብ ትስፍው ፖለቲካዊ ለውጢ ምጭባጥ እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ። ሓንሳብ ህግደፍ ካብ ስሩ ብምብሕጋጉ ወይ ብኣውሽጡ ህግደፍ ዝግበር ናይ ምጽጋን ለውጢ ብምምጽኡ፡ እቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝግበር ቃልሲ ምስ ተዓወተ ንዅሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዋዕላ ክጽዋዕ ይክኣል። ንናይ ውልቂን ጉጅለን ረብሓታት ንምስሳይ ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ ብሓቂ ንለውጢ ዝቃለሱ ጉጅለታትን ውልቀ-ሰባትን ነቲ መሰጋገሪ እዋን ንምሕጋዝ ብሓደ ንኽሰርሑ ምግባር እዩ። እዚ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክግበርን ነቲ ንብዙሕነትን ራኢን ዝውክልን ዘንጸባርቕን መሰጋገሪ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት፡ ከመ ግዝያዊ ቅዋም ከገልግል ዝክእል “መሰጋገሪ ቻርተር” ክነድፍን እዩ እቲ ግቡእ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ግድን ንሓድነት ፖለቲካዊያን ውድባት” ዝውክል ክኸውን ኣለዎ ማለት ውን ኣይኾነን።
ኣብቲ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ መሰጋገሪ እዋን፡ መሰጋገሪ ባይቶ ክምረጽ ይግባእ። እዚ መሰጋገሪ ባይቶ ድማ ምስቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምዃን ካብቲ ናይ 1952ን 1997 ቅዋማት ኤርትራ ሃብታም ተመክሮን ዓንቀጻትን ምርኩስ ብምግባር ምስኩሎም ሰብ ብርኪ ኤርትራዊያን እንዳተማከረት እትሰርሕ ቅዋም ዝነድፍ ኮምሽን ቅዋም ከቕውም ይግባእ።
እዚ ዝተነድፈ ቅዋም ድማ ብደሞክራስያዊ መንገዲ እተመርጸን መሰጋገሪ ባይቶ ይጸድቅን ሕጋውነት ይለብስን። ሓንሳብ እቲ ቅዋም ምስ ጸደቐ፡ እቲ መሰጋገሪ ትካላት ኣብቂዑ፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጋውን ጽንዑን ቅዋም መሰረት ስልጣኑ ነቲ ብወግዒ ዝተመርጸ ባይቶን መንግስትን የረክብ።
ኣብዚ እዋን ግን፡ እዘን ሲቪካውያን ፖለቲካውያን ጉጅለታት ክገብርኦ ዝግብአን ኣንጻር ህግደፍ ጸቅጥታት ኣብ ምግባር ክዋፈራን፡ ንነብሰን ካብቲ ንውሑዳት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝርከቡ ስሱዓትን ንህግደፍን ካብ ዘርብሑ ትርጉም ዘይብሎም ሓሸውየ ብምግላል፡ ንኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ጉዳያት ክብ ንምባል ክጽመዳን ይግባእ።
ነዚ ሕጂ ዘሎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እንተኾይኑ ግን፡ ንውሽጣዊ ዓቅሙ ዝድህስስን፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሕዱር ሕማማት፡ ሓድሕድ ዘይምትእምማን፡ ድኽመትን ኣብ ምፍዋስ እንተዝሰርሕን፡ ነቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ ተኣፋፊ ጽላሉን ነቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ንኣድማዕነቶምን ምዕባሊኦም ሓሊኹ ሒዙ ዘሎ ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ኣብ ምዕራይ እንተዝዋፈሩ ዓቢ ትርጉም ምሃለዎ ኔሩ።
ሓተታ ብጋንታ ዓርኮከባይ/ ሻካት ዶት ኮም
www.arkokabay.com www.shakat.com
Powered by Azrul's Jom Comment |
|
| Last Updated ( Tuesday, 06 July 2010 ) |
| < Prev |
|---|



