Radio Arkokabay
Radio Arkokabay
English
Home
Articles-Opinions
Interviews
History
Documents
Radio Meselna
Radio Erena
Arko Facebook
Afar Affairs
Contact us
About us
Polls
Arkokabay Editorial
Editorial:Reflections and Directions

Wednesday, 01 September 2010 | Arkokabay Team

 at the risk of being accused of siding with one side of the opposition against “another”, we praise the EPDP for their far-sightedness and consistent position on the issue of the “EDA...
+ Read More

Other Articles
Afar Affairs
Afar Refugee Camp, in Aysaita and Barhlee

Tuesday, 31 August 2010 | Human Concern International

A Humanitarian Crisis HELP NOW Afar Refugee Camp, in Aysaita and Barhlee Total Registered Afar Refugees: 24, 000  Severe malnutrition/Starvation  Diarrhea  Increasing...
+ Read More

Other Articles
New Titles
First NA EPDP Regional Congress

Saturday, 28 August 2010 | EPDP-North America

 The congress reaffirmed support for the peaceful and democratic strategy of struggle EPDP adopted in the fight against the PFDJ ruling regime in our country. This is effective and realistic...
+ Read More

Other Articles
Newsflash
A Tale of Two Cities London Peace Conference

The covenant is not included in the documents of EDA “ conference for National dialogue”, still if I am invited, I will “ take it” with me? Why are we blaming Paoulos while – Mohamed & Ali_- are silent?? Some of our partners ( Dr. Bereket & Father Woldemariam) supported the covenant openly – not a single word from any Islamic organization!?... If attending a conference or boycotting it is a measure of legitimacy, then most of our activities need to be redefined and revised. Click here to read the entire article, which is full of wisdom.

 
ርእይቶና ብዛዕባ ዋዕላ ሰላም ኤርትራውያን ኣብ ለንደን PDF Print E-mail
Written by ቃል ዓርኮከባይ   
Tuesday, 04 May 2010

ሰላምደው ምባል ሓደ ቅዱስ ነገር እዩ። እቲ ዝድለ ዘሎ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን፡ መላእ ዞባና ድዩ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ  ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ንሰላም ተባሂሉ ዝግበር ጻዕሪ ክናኣድን ክተባባዕን ይግባእ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ዓይነት ንሰላም ዝጽውዕ ተበግሶታት ዕምቆቱን እቲ ዝተዋህቦ ኣቓልቦ ብዘየገድስ ንድግፎ ኢና። እቲ ስክፍታትና እምባኣር ኣብቲ ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶ ዘይኮነ፡ ኣብ ንቐረብ ዝምልከትን ቴክኒካዊ ኣተሓሕዛን ኣካይዳን እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ዝምልከትን እዩ።.

 *********************************************

 

ርእይቶና ብዛዕባ ዋዕላ ሰላም ኤርትራውያን ኣብ ለንደን

 

ብቁዕ ለትረኤቱ ወደ: ሓዋን ሞላድ ዓልብ ዝብል ናይ ትግረ ምስላ (ኣባሃህላ) ኣሎ። እዚ ኣባሃህላ እዚ ኣብ ሞንጎ ብቑዕ/ንፉዕ ብን ሰነ ወይ ህኩይ ዘሎ ፍልልያት እዩ ዝገልጽ።ብቁዕ ብሕሉል ኣገላልጻ እዚ ምስላ እዚ፡ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ ዝኾነ ይኹን ነገር ካብ ምግባር ዓዲ ዘይውዕል/ዘይትውዕልን ሰብ ማለት ክኸውን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ድማሓዋንድማ ሓደ ዋላሓንቲ ዘይገብር፡ ንዝገበሩ ከነኣእስን ክሓምን፡ ብዘይ ገለ ዋጋን ሓንቲ ከይገበረ ናይ ኣባሕጎታቱ ዝና ኣሎ ኢሉ ዝሓስቦ ዝናን ክብርን እንዳተንተነን እንዳቖጸረን ጥራይ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ክህሉ ዝጽበ፡  ንትህኪቱን ዘይምስርሑን ጉልባብ ዘናዲ ማለት እዩ።

  

 ናይ ህዝባዊ ግንባር ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጌዮርጊስ (ባዕታይ)ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2009 ኣትሒዙ፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ምምጻእዝብል ራኢ ተበጊሱ ነዚ ደገፍ ንምርካብ ሰባት ምጉስጓስ ጀሚሩ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከቡ ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት (ክርስትናን ምስልምናን) ዝተፋላለዩ ብሄራትን ቋንቛታትን ዝዛረቡ ጉጅለታትን  ርክባት ብምግባር ነቲ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ዋዕላ እተዳሉ ግዝያዊት ኮሚቴ ንሙቛም ተንቀሳቒሱ።  እዚ ድማ ናብቲ ናይ 18 ታሕሳስ 2009 ነቲ ናይ ሰላም ራኢ ንምምርማርን ንምዝርራብን ናይ መጀመርታ ርክብ ኣምሪሑ። እዚ ብዋዕላ ሰላም ለንደን ክፍለጥ ጀሚሩ ዘሎ ኣኼባ ዝተፈላለየ ባህላዊ፡ ልምዳዊ፡ ሃይማኖታዊ ድሕረባይታ ዘለዎም እምነትን ዘለዎም፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ ዓለም ከም ብዓል ኣውስትራልያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝመጹ 32 ክልተን ሰባት ናብ ሓደ ምኣዲ ከምዝመጹ ጌሩ። ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ክርክርን ዘተን፡ ነቲ ናይ ውሽጢ ኤርትራ ሰላም ምርግጋጽ ከም ቀዳማይ ረቛሒ ብምውሳድ ኣብ ዝነውሐ ንናይ ዞባና ሰላም ንምጥባቕ ተሰማሚዖም። ነዚ ንምጭባጥ ድማ፡ ነታ ዝነበረት ግዝያዊት ኮሚቴ በቶም ኣብቲ እዋን ዝተሳተፉ 32 ኤርትራውያን ዝተመርጸት ሓዳስ ኮሚቴ ተኪኦማ። እታ ሓዳስ ዝተመርጸት ኮሚቴ ድማ ዘሎ ምዕባለታት፡ ብዛዕባ እቲ ካብ 21 ክሳብ 23 ግንበት ንኽቓናዕ ተሓሲቡ ዘሎ ዋዕላ ዝቐርብ ናይ ሰላም ቻርተር ኣብ ምድላውን፡ ነቲ ዋዕላ ዝምልከት ኣድላዩ ምድላዋትን ትገብር ኣላ። እዚ ኣብ ጉንበት ክቃናዕ ተሓሲቡ ዘሎ ጉባኤ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም 32 ኤርትራውያን ተወሰኽቲ 30 ኤርትራውያ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ዋላ እዚ ብኣቶ ጳውሎስ ባዕታይን እታ ግዚያውትን ቆዋሚትን ኮሚተ፡ እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ዘለው ኤርትራውያን ዝግበርዎ ዘለዉ ስራሓትን ጻዕርን ነድንቆ እንቶኾና፡ ኣብ ልዕሊ ዘገብርዎ ዘለዉ ንጠፈታት ዘለና ስክፍታት ንህዝቢ ምፍላጡ ግቡእ እዩ ኢልና ንኣምን። እዚ ክንገብር ከሎና ግን ንናይቶም ተሳተፍቲ ይኹን ነቲ ሓሳባት ዘበገሱን ሰናይ ድልየትን ጻዕርን ንምንእኣስ ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ ንናይ ኩሉ ረብሓ ብምሕሳብ እቶም ኣዳለውትን ተሳተፍትን ኣብ ግምት ንኸ እትውዎም ዝብል ሓሳብ እዩ።

 

 

ሰላምደው ምባል ሓደ ቅዱስ ነገር እዩ። እቲ ዝድለ ዘሎ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን፡ መላእ ዞባና ድዩ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ  ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ንሰላም ተባሂሉ ዝግበር ጻዕሪ ክናኣድን ክተባባዕን ይግባእ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ዓይነት ንሰላም ዝጽውዕ ተበግሶታት ዕምቆቱን እቲ ዝተዋህቦ ኣቓልቦ ብዘየገድስ ንድግፎ ኢና። እቲ ስክፍታትና እምባኣር ኣብቲ ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶ ዘይኮነ፡ ኣብ ንቐረብ ዝምልከትን ቴክኒካዊ ኣተሓሕዛን ኣካይዳን እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ዝምልከትን እዩ።.

 

ዋላ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጰያን ብሽግር ዝተሓመሰ ዞባና  ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣድላይነት ሰላም ምዝራብ ኣገዳሲ እንተኾነ፡ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ዝምልከት እንተወሲድና ግን ኣብቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ኣትኩርና እንተንዛረብ ምሓሸ ኔሩ ንብል፡ እቲ ምንታይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ናይ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ቐንዲ ምንጩ ንሱ ስለዝኾነ።

 

እቲ ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ ንውርጽጽ ኣተሓሕዛ ንዋት ዝምልከት እዩ። እዚ ጉዳይ በቶም ነቲዋዕላ ሰላምዘዳልዉ ዘለዉ ሰባት ግቡእ ኣቃልቦ ኣይተዋህቦን ንብል። ንናይ ሰላም ዋዕላ ንምክያድ ዘድሊ ወጻኢ ቀሊል ዘይምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ። ግን ሰላም ክቡር ኣኬባታትን ዋዕላታትን ብምክያድ ዝጭበጥ ነገር ድዩ፧ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክንበጽሖ ንሓስብ ዘሎና ውጽኢት ብወጻኢኡ ውሑድ ዝኾነ ካልእ ኣማራጺ ከንጭብጦ ኣይምተኻእለን ዶ፧ እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ተበግሶ ንሓደ ፍሉጥ ግጭት፡ ፍሉጥ ዝኾነ ሓላፍነት ተዋሁቡካ፡ ኣብ ሓደ ፍሉጥ መዕለቢን ውጽኢትን ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ነገር ስለዘይኮነ።  

 

እንድሕር እቲ ዕላማ ናይቲ ዋዕላ  ምስ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝውንኑ ኤርትራውያን ምዝርራብ እንተኾይኑ፤ ብተመሳሳሊ ዝኽእል መንገዲ ንኣብነት  ብፓልቶክን ካልኦት መንገዲታትን ብዝውሓደ ወጻኢ ክግበር ምተኻእለ። ኣብ ናይ ፓልቶክ ገዛውቲ፡ ንኣብነት ልዕሊ 200 ሰባት ክእከቡ ይክእሉ። ዘይተደልዩ ዕዱማት ንከይመጹ እንተተደልዩ ንነፍስወከፍ ተሳታፋይ ድራር ለይቲ ወይ ፓስዎርድ ክውሃቦ ይክኣል። እዚ ዓይነት መራኸቢ ባይታ ድማ ነቶም ኣዳለውቲ ተሳተፍትን ብዘይካ ኣብ ምቾት ናይ ቤቶም ኮይኖም ምስታፍን ውሑድ ሰዓታትን ዋላ ሓደ ወጻኢ የብሉን።

 

እንተድኣ  ናይ ብሓቂ እቲ ናይ ውሽጥናን ዞባናን ስላም ናይ ምርግጋጽ ድልየት ሃልዩ ኮይኑ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ካብ ንሓደ ግዜ ዝግበር ክቡር ብዓል ምክያድንሰላም ንምትብባዕዝብል ተልእኾ ሒዝካ ነቲ ዝነበረ ህልው ኤርትራዊ ፖለቲካዊን በርገሳዊን ተሓላቕነትን ንካልኣይ ግዜ ካብ ምምስራሕ ነቲ ዘሎ ብምምማይ ሓገዝ ብምልጋስን ነቶም ዝነበሩ ተበግሶታት ምሕያል ምሓሸ ንብል።  

 

ንኣብነት፡ ተራ ናይ መራኸቢ ብዙሓን፡ ሬድዮን ተለቪዠንን፡ ንሰላም ኣብ ምጉስጓስ ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ብኸምዚ ዓይነት ድማ ከም ብዓል ድምጺ መሰልና ደሊና ዝኣመሰላ ትካላት ብናይ ኤርትራ ቋንቛታትን እንግሊዝን ንሰላም ዝምልከት መደባት ከአንግዳ ገለ ካብቲ ንናይ መጓዓዓዚ ሆቴልን ተባሂሉ ዝግበር ወጻኢ ተቐኒሱ ክውሃበን ምተገብአ።   ብተወሳኺ፡ ኣብ ሽወደን ንቐርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ናይ መሰረታት በርገሳዊያን ማሕበራት ምንቅስቓስ ኣሎ። እዚ ምንቅስቓስ ዓመት ዓመት ኣብ ስቶኮልም ንናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ጠንቂ ሮቓሒታት ዝምለከት ናይ ሰላም ዋዓላታት የቓንዕ። እቲ ዘለዎም ተመክሮ ብዝኾነ ሓድሽ ሰብኣዊን ንዋታውን ዓቅሚ እንተዝግበረሉ መሊሱ ምተተባብዐን ምሓየለን ነይሩ።

 

ካልእ ኣብነት ድማ ስድሪ እዩ። ስድሪ  ዝተፈላለየ ሕብረተሰባዊን ባህላዊን ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ምሁራን፡ ኣካዳምያውያን ተጣበቕቲ ዝሓቖፈ ዓለምለኻዊ በርጌሳዊ ምንቅስቓስ እዩ። ዓንቐጽ 4.6 4.7 4.8 ናየ ስድሪ ቻርተር እንተሪኢና ብንጹር ንሰላምን ምውህሃድ ኣብ ውሽጥን ዞባዊን ደረጃ ይድግፍ ይብል። ስለዚ ነቲ ንኹሉ-ዘካተተ ሰላምን ፍትሕን ንምዕዋት ዝቖማ ማሕበራት ነቲ ዝቖማሉ ዕላማ ንምዕዋት ምሕያለን ጠቃምን ብውሑድ ወጻእን ክግበር ይክኣል እዩ።

    

እንተኾነ እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ዘርዚርናዮ ዘሎና ነቲ ድሮ ተኻይዱ ዘሎ ወጻኢታት ኣብ ምድሓን ዶንጉዩ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ግን ንህዝቢ ብዛዕባ እቲ ዘሎና ስክፍታት ክህልዎ ዘለዎ ትጽቢትን ኣብ ምፍላጥ ንዕድልና ተጠቂምናሉ ኣሎና ንብል።

 

ርሑስ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰራሕተ ኛታት!!

 

ጋንታ ዓርኮከባይ!

1 ጉንቦት 2010

 

 

Comments (0) >> feed
Write comment


Write the displayed characters


Powered by Azrul's Jom Comment
busy
Last Updated ( Monday, 07 June 2010 )
 
< Prev   Next >
راديو عركوكباي
راديو عركوكباي
عربي
الصفحةالرئسية
أراء ومقالات
حوارات
التاريخ
من نحن
راديو مسلنا دلينا
راديو ارينا
قضايا عفرية
كلمة عركوكباي
اتصل بنا
كلمة عركوكباي
تأملات وخيارات

Wednesday, 01 September 2010 | كلمة عركوكباي

 اذا كانت "المفوضية" مستقلة عن التحالف تماما وتستمد شرعيتها ومرجعيتها من الملتقى الأخير ومن الجهة...
+ Read More

Other Articles
Arkokabay Facebook


مقالات حديثة
رحيق المنابر -18

Friday, 03 September 2010 | اخوكم / محمد جمعة ابو الرشيد

        يفهم من النصوص بأن الخصومات كانت سبب فى اخفاء ليلة القدر ، فهل يمكن أن تكون سببا ايضا في...
+ إقراء مزيد

مقالات أخرى
 

© 2010 Welcome to Shakat.com - ما ينشر من مقالات في موقع عركوكباي.كوم يعبر عن رأي صاحبه ولا يعبر بالضرورة عن رأي الموقع والقائمين عليه. The views expressed in articles published on Arkokabay.com are those of the authors alone. They do not necessarily represent the views or opinions of Arakokabay.com or its Editorial Board
 Seitenanfang