|
تجنيد إجباري مكثف ሰፊሕ ወፍሪ ግፋ |
|
|
|
|
Written by ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪالتنظيم الديمقراطي لعفر البحر ال
|
|
Sunday, 06 June 2010 |
|
قوات نظام هقدف تقوم بحملات تجنيد إجباري مكثف في كل مناطق دنكالية
ሰርዓት ሻዕብያ አብ ከባቢታት ዓፋር ዕድመ ከይፈለየ ሰፊሕ ወፍሪ ግፋ የካይድ አሎ፡፡
*******************************************
|
ሰርዓት ሻዕብያ አብ ከባቢታት ዓፋር ዕድመ ከይፈለየ ሰፊሕ ወፍሪ ግፋ የካይድ አሎ፡፡
ክፍሊ ዜና
ዲሞክራስዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
05ሰኔ 2010ዓ.ም
ስርዓት ሻዕብያ አብዘን ዝሓለፋ 2 መዓልታት ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ናብ ከባቢታት ደንካልያ ብምልኣኽ አብ ኩሉ ቦታታት ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ቀንዩ፡፡ እቲ ጉዱድ ዕስክርና ዝዕላምኡ ወፍሪ ልዕሊ ዕድመን ትሕቲ ዕድመ ከይፈለየ ብሃንደበት አብ መንበሪ ገዛውቶምን ናይ ስራሕ ቦቶኦምን ብምምጻእ አዝዩ ብዘሰካክሕ አገባብ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መንእሰያትን ዓበይትን አካላዊ ጉድኣት ዘስዓበ ወፍሪ›ዚ አብ ንብረትን ጥሪትን ጀላቡን ከቢድ ዕንወትን ምጥፋእን አስዒቡ ኢዩ፡፡ እቲ ዝተኻየደ ግፋ አብ ገጠራትን ከተማታትን ኮይኑ ብሃንደበት መንእሰያትን ልዕሊ ዕድመን አብ ስራሖም ተዋፊሮም አብ ዝነበርሉ ሰዓታትን እዋንን እዩ ዝተፈጺመ፡ ንብረቶመን ጥሪቶመን ጀላቡኦምን አላይ ዘይብሉ አብ ገማግም ባሕርን ጎላጉል ቦታታት ተሰጢሑ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ይርከብን፡ ሰድራ ቤታት ናይቶም ዝተገፉ መንእሰያት አላይን ነባይን ዘይብሎም ንሓደጋ ተቓሊዖም አለዉ፡፡ እቲ ግፋ ብአሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያትን ልዕሊ ዕድመ ኮየኑ ካብ ከባቢ ዒዲ ቡዙሓት ዓበይቲ መካይን መንእሰያትን አረጋውያንን ጽዒነን ካብቲ ቦታ ከምዝተላዕላን ከምእዉን ካብ ጢዖን ዓሰብ›ውን ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝጻዓና መካይናት ብሓያል ሓለዋ ናብ መዓሰከራት ወታሃደራዊ ስልጠና ከምዝተወስዱ ካብቲ ኸባቢ ዝበጻሓኒ ዜና ሓቢሩ፡፡ ስርዓት ሻዕብያ ከም አመሉ ነዚ አዕናዊ ተግባር ዝፍጽም ዘሎ መቐጸልታ ናይቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝአወጆ ናይ ብርሰትን ዕንወተን እስትራተጂ መቐጸልታ እዩ፡፡ ጥሪትን ሰብን አብሪስካ መሬትን ባሕርን ሃብትን ህዝቢ ንምግባት ዝጥዕም ሓደ ካብ ሜላታት አገባቡ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነዚ አዕናዊ ፖሊሲ ዝተረደኤ ህዝቢ ሰለዝኾነ ድማ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ከቢድ መሰዋእትን ዝኸፍል መሪር ቃልሲ ዘካይድን ዘሎ ህዝቢ ከም ምኻኑ መጠን አብ ልዕሊኡ ዝወርድ ጸቕጥን በደልን ዝያዳን ሓያላን እዩ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራሰያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ እንዳሓደረ ብተግባራቱ ዝምህምን ዘሎ ሰርዓት ህግደፍ ንምእላይን ካብዚ አደራዕ ናብራ›ዚ ንምግልጋል ተዓጢቑ ክለዓል ይጽውዕ፡፡
|
بسم الله الرحمن الرحيم
قوات نظام هقدف تقوم بحملات تجنيد إجباري مكثف في كل مناطق دنكالية
مكتب الإعلام
التنظيم الديمقراطي لعفر البحر الأحمر
5يونيو 2010م
قامت قوات النظام المنتشرة في كل أنحاء دنكاليا بمداهمة بيوت الشباب وكبار السن وذلك ضمن حملاتها للتجنيد الإجباري ، حيث جرت هذه الحملة في القرى والمدن والأرياف وسواحل البحر، ويقدر عدد الذين أخذوا من ديارهم وأماكن عملهم بالألاف وتشمل هذه الحملة الشباب وكبار السن دون مراعات أعمارهم وأوضاعهم الأسرية، وقد أخذوا هؤلاء الشباب والشيوخ بالشاحنات تحت حراسة مشددة في كل من عدي وطيعو وعصب وضواحيهما ، وهؤلاء الشباب وكبار السن إقتادتهم قوات الجيش نحو معسكرات التدريب ، وقد تبعثرت ثروات الرعاة وقوارب الصيد بعد أن أخذ رعاتها جبرا، وبهذا فإن أوضاع أسرهم ستكون معرضة للخطر لما أخذوامن كانوا يعولونها ، فإن نظام الجبهة الشعبية يمارس هذه الممارسة ضمن إستراتجيته الهدامة نحو تطهير عرقي للشعب عفر البحر الأحمر وتجريده من مصادره المعيشية وإحتلال أراضيه وبحره وزعزعت إستقراره، وبهذه المناسبة يدعوا التنظيم الديمقراطي لعفر البحر الأحمر كآفة المجتمع الإرتري أن يستعد لإزالة هذا النظام التي تتوالى أزماته السياسية والإقتصادية والدبلوماسية، وبناء دولة إرتريا جديدة يسودها العدل والديمقراطية ويحفظ فيها حقوق الجميع .
|
| Comments () >> |
 |
Powered by Azrul's Jom Comment |