| ድሕሪ ዋዕላ’ኸ ጉዕዞ ናበይ? |
|
|
|
| Written by ክፍሊ ዜናን ባህልን | |
| Wednesday, 14 July 2010 | |
|
ጉዳይ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ኪዳን…ብመንፈስ ምውድዳርን ምትህልላኽን ከምእተታሕዘ ግሉጽ እዩ…ብመሰረቱ ዋዕላ ዓወቱ ኣብ ደረጃ ምድላዉ’ዩ ዝምርኮስ…ንማለቱ እቶም አብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዘድልይዎም ኣካላት ከሰዅዑ እተቓለሱ፡ በቲ ዝረኸብዎ ቦታን ዕድልን ሰዓብቶም ብብዝሒ ኣብ ዋዕላ ከሳተፉ ዝቃለሱ ዘለዉ፡ ሕልንኦም እንታይ ምዃኑ ስቱር የለን። በቲ ካልእ ወገን ውን ቅድሚ ዋዕላ ናይ ገዛእ ነብሶም ዋዕላ ኣካይዶም ክገብርዎ ዝደልዩ መደባት ኣብ ዓለማዊ ዜና ዝዝርግሑ ዘለው፤ ንዋዕላ ብብሕቱው መደባቶም ክጸልውዎ ይዳለዩ ምህላዎም ሕቡእ የለን። *****************************************
ድሕሪ ዋዕላ’ኸ ጉዕዞ ናበይ?
ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ድሕሪ ዋዕላ ክህሉ ዝኽእል ምዕባለታት ንምርዳእ ካብ ምንባብ ህሉው ኩነታት ክንብገስ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክንገብር ከኣ፡ ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ብጉዳይ ዋዕላ ተረኺቡ ዘሎ ፍልልይ ብሓጽር ዝበለ ምርኣዩ ጠቓሚ እዩ።
ድሕሪ ዋዕላ ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ንምርዳእ፣ ብብዙሓት ወገናት ብርክት ዝበለ ሕቶታትን ግምታትን ይቐርቡ ምህላዎም ዘጠራጥር አይኮነን። ንህልው ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፈሻ እተኸታተሉ፣ ንዝምባለታትን ኣቕጣጫን ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝርከብ እተፈላለየ ሓይልታት ከአ ዘንበቡ፡ ንዋዕላን ውጽኢቱን ዝመስሎም ግምት እንተኣቕረቡ፡ ካብ ሓቂ ብዙሕ ክርሕቁ ኣይኮኑን።ብርግጽ፡ መጻኢ ኩነታት፣ ካብ ህሉው ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ጠባያትን ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ጨሪሱ እተነጸለ ክኸውን ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እቲ ንጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ ድሕሪ ዋዕላ እንታይ ክመስል ምዃኑ ንምርዳእ ዝካየድ ዘሎ ሓተታን ምርምርን ጠቓምን ኣገዳስን እዩ። ብመስረቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጻኢ ዕድሉ ዘንጸላሉ ኩነታት፣ ብአግኡ ክፈልጦን ብብሩህ ክከታተሎን መሰሉ እዩ።
ድሕሪ ዋዕላ ዝህሉ ኩነታት ዝግምት ካበይ’ዩ ዝብገስ?
ድሕሪ ዋዕላ ክህሉ ዝኽእል ምዕባለታት ንምርዳእ ካብ ምንባብ ህሉው ኩነታት ክንብገስ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክንገብር ከኣ፡ ብቐዳምነት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ብጉዳይ ዋዕላ ተረኺቡ ዘሎ ፍልልይ ብሕጽር ዝበለ ምርኣዩ ጠቓሚ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ኪዳን ብጉዳይ ዋዕላ ተረኺቡ ዘሎ ፍልልይ ክምርምር ዝደሊ፣ ብሓደ ወገን ርእይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዝረክብ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዕቱብ ኣገባብ ዘይተታሕዘን ዘይተዳለወን ዋዕላ፡ ዕውት ክኸውን ኣይኮነን ካብ ዝብል መርገጽ፡ ኣብ ዋዕላ ክሳተፍ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ ኢዩ። ብዓይኒ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕውት ዋዕላ፡ ንድፊ ፕሮግራም ዋዕላ ኣቐዲሙ ቀሪቡ ህዝቢ ክካታዓሉ ዕድል ዝኸፈተ፡ ብኣወኻኽልኡ ሰፊሕ፡ ብምድላው ኣሳታፊ፡ ብኣገባቡ ተላዛቢ፡ ብውጽኢቱ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከዕግብ ዝሕልን ክኸውን ከሎ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዞም መሰረታውያን ዝኾኑ ነጥብታት አብ ጸብጻብ ከይኣተዉ፡ ጉዳያት ብዕቱብ ከይተታሕዙ ብተብተብ ኣብ ዋዕላ ምእታው ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኸቦን።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቶም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረቦም ሕቶታት ፍጹም ዋጋ ዘይሃበ፣ ዋዕላ ምስ ኩሉ ዘለዎ ሕጽረት ኣብ ዝበልናዮ ግዜ ግድን ክፍጸም’ዩ ዝብል መርገጽ ዝሓዘ ኣካል ኪዳን ንረክብ። ኪዳን እተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ሓይልታት ሐቚፉ ብዝተሓተ ፕሮግራም ዝራኽብ ኣካል ከም ምዃኑ መጠን፣ ኩሉ ጻዕርታቱ ሓባራዊ ዕግበት ናይ ኩሎም ኣካላቱ ዘረጋግጽ ክኸውን’ዩ ዝግብኦ። ዓበይቲ ውሳኔታቱ ብስምምዕ ክውድኦም ከም ሕጊ አብ ቻርተሩ ምጽዳቑ’ውን ካብዚ ዕግበት’ዚ ዝነቐለ እዩ። ይኹን እምበር ንሓባራዊ ዕግበት ኩሎም ኣካላቱ ዕሽሽ ኢሉ ዝሰግረሉ ኩነታት ኣብ ውሽጡ ክገሃድ ከሎ፡ እቲ ብዝተሓተ ፕሮግራም ክኣሳስሮ ዝፈጠሮ ገመድ ይልሕልሕ፡ እቲ ነናይ ውድቡ ውሽጣዊ ዝምባለታት ኣካላቱ ድማ ይዓዝዝ ምህላው ርኡይ ምልክት እዩ።
ሕቶ ዋዕላ ከኣ ነዚ ኩነታት እዚ ብብሩህ ቀሊዕዎ’ዩ።ጉዳይ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ብመንፈስ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘይኮነስ፣ ብመንፈስ ምውድዳርን ምትህልላኽን ከምእተታሕዘ ግሉጽ እዩ። እዚ ዘይቅኑዕ ኣተሓሕዛ ሓባራዊ ዕግበት ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንኸይህሉ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ። ብርክት ዝበለ ሕቶታት ኮነ ግምታትን ዝመጽእ ዘሎ ውን፣ ኪዳን ኣብ ምእላይ ውሽጣዊ ሽግራቱ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሓባራዊ ዕግበት ኣካላቱ ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት፡ ብዝኾነ ዋጋ ዋዕላ ንምግባር ምንቅስቓሳት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ሓባራዊ ዕማማት እናሃሰስ፡ መንፈስ ምትሕብባር እናተዳኸመ ክኸይድ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝርከብ ዝምባለታት ገንፊሉ ይቕልቀል ምህላው ስቱር የለን። እቶም ፍሉይ ኣጀንዳ ነፍሲ ወከፍ ዝምባለ ክቕልቀል ዝከታትሉ ዘለው ኣካላት ከኣ ነቲ ኩነታት ምስ ዋዕላ ኣተኣሳስሮም ክርድእዎን ክመዝንዎን ይፍትኑ ምህላዎም ንዕዘብ ኣለና። በዚ ምኽንያት ሕጽር ዝበለ ትንተና ናይ’ቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝገሃዱ ዘለው ዝምባለታት ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ከመይ ዝበሉ ዝምባለታት እዮም ዝረኣዩ ዘለው?
ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ንደምበ ተቓውሞ እተኸታተለ ነዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን ዝምባለታት ክርኢ ይኽእል እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሕብረ ብሄራዊ ዝምባለ ኮይኑ ሓድነት ምስ ብዙሕነት ጠሚሩ ብምውህሃድ፣ ንሃገራዊ መቖምታት ከደልድል ዝደሊ እዩ።
እቲ ካልኣይ ሸነኽ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል ዝጣበቕ ዝምባለ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ከኣ ኤርትራ ብኽልተ ሃይማኖትን ባህልን መንነትን ከምእትፋላለ ዝርኢ ዝምባለ እዩ።
ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ዝምባለ
እቲ ሃይማኖታዊ ዝምባለ ኣብ ውሽጡ እተፈላለየ ጫለዳታት ስለዘለዎ ብጥቕልሉ ከተቕርቦ ይጽግም እዩ። ይኹንእምበር ነቲ ዝተረረ ሸነኽ እቲ ዝምባለ ክንዕዘቦ ከለና ኣመላኻኽትኡ ንጹር እዩ። ኤርትራ ብኽልተ ሃይማኖት፡ ብኽልተ ባህሊ፡ ብኽልተ መንነት ዝቖመት ይቖጽር። ሎሚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ ክርስትያናዊ ይቖጽሮ። እቲ ቦኺሩ ዘሎ ድማ መሰል ኣስላም ምዃኑ ይርኢ። በዚ ምኽንያት ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ኤርትራውያን ኣብ ፍሉይ ስርርዕ ክውደቡ ይጽውዕ። እቲ ዘቕርቦ መፍትሒ ብሓፈሻ ክረአ ከሎ ከኣ ፈደራላዊ ወይ ፈደራላዊ ዝመስል ስርዓት ኣብ ሞንጐ ኣስላምን ክርስትያንን ይመስል።
እዚ ዝምባለ እዚ ነቲ ብሕብረ ብሄራዊ መልክዕን ትሕዝቶን ዝጥርነፍ ይኹን፣ ነቲ ብሄራዊ ሕቶ ዘልዕል ዝምባለታት ዝጻረር ዝምባለ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ክልተ ዝምባለታት ሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ክሕወስ ዘይግብኦ ብሕታዊ እምነት ስለ ዝቖጽርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ካልእ ወገን ውን ኣብ እምነታት ዝርአ ጸቕጢታት፣ አብ ትሕቲ ሕቶ ሓፈሻዊ ዲሞክራስያዊ መሰላት ተታሒዙ ክፍታሕ ከምዝኽእል ስለ ዝኣምኑ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቶም ነዚ ዝምባለ’ዚ ዝጣበቑ ኣብ ኪዳን ዝርከቡ ኣካላት፡ ኣብ ዋዕላ ዝለዓለ ተራ ንኽህልዎም ጻዕርታት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ዝያዳ ኣባላት ክሰዅዑ ምድላዮም ቅሉዕ ኮይኑ እዩ። ከም ኣባላት ኪዳን ኮይኖም ኣብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝረኸብዎ ዕድል ስለ ዘየዕገቦም፣ ኣብ’ቲ ንነጻ ማሕበራት እተሰልዐ ቦታ ኣባላቶም ከእትዉ ብመደብ ሰሪሖም ክዕወቱ ውን ክኢሎም እዮም። ኪዳን ነዚ ጉጉይ አገባብ ንኽእረም ዝቐረበሉ ሕቶ ጸማም እዝኒ ምሃቡ ሓደ ካብ ሽግራት ምድላው ዋዕላ እዩ።
ንሳቶም’ውን፡ እቲ ጉዳይ ቅሉዕን ኣሰሓሓብን እንዳኾነ ምስ መጸ የኽፍኣልና’ዩ ኢሎም ክስሕቡ ዘይምድላዮም ብመደብ ከምዝሓዝዎ ዘረጋግጽ’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ብጋህዲ ዝርአ ዘሎ ከኣ፣ በቲ ኣብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝረኸብዎ ዝያዳ ዕድል ተጠቒሞም፣ ንዝምባለኦም ዝሰማምዑ ባእታታት ብርክት ብዝበለ ቑጽሪ ኣብ ዋዕላ ከሳትፉ ኣዳልዮም ምህላዎም እዩ። ንዝምባለኦም ዝውክሉ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ኣብ ዋዕላ ንኽሳትፉ ክንቀሳቐሱን ከዳልዉን ከለዉ፣ ኣብ ውሽጢ ዋዕላ ዓብላሊ ቃል ክህልዎም መዲቦም ከምዘለዉ ዝእምት ነጥቢ እዩ።
ኪዳን ንዋዕላ ዝኸውን መካትዒ ንድፊ አዳልዩ፡ ንህዝቢ ኣቐዲሙ ክዝርግሕ ዝቐረበሉ ሕቶ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ኣጀንዳ ዋዕላ ኣብ እዋን ዋዕላ’ዩ ክውሰን። ሰዓብቲ ኣብዚሑ ኣብ ዋዕላ ዘሳተፈ ኣካል ከኣ፣ ንኣጀንዳ ዋዕላ ብኸቢድ ክጸልዎ ከምዝኽእል፡ ማንም ተራ ሰብ ክስሕቶ ዘይኽእል ኢዩ። ንህዝብን ሃገርን ከድሕን ዝሕልን ዋዕላ፣ ንኸምዚ ዝመስል ዘይግቡእ ምንቅስቓሳት ዕድል ክኸፍት ኣይምተገብኦን። ይኹንእምበር ኣብ’ዚ ገደብን ምቁጽጻርን ዝበኾሮ ኩነታት፡ እዞም ዝጠቐስናዮም ሸነኻት፣ ኣብ ዋዕላ ይኹን ድሕሪ ዋዕላ ንፖለቲካ ኤርትራ ብኸቢድ ክጸልውዎን፣ እንተኾይኑሎም’ውን ፖለቲካዊ ክትዕ ሃገርና ናብ ኣስላማይ ክስታናይ ዝብል አቕጣጫ ክጥምዝዝዎ፡ መዲቦም ምህላዎም ብሩህን ጉህድን ኮይኑ’ሎ።
ብሄራዊ ሕቶታት ዘልዕል ዝምባለ
ብሄራዊ ሕቶታት ዘልዕል ዝምባለ እቲ ሕቶ ብሄራት ክሳብ ምግንጻል መርገጽ ዘለዎ ሸነኽ እቲ ሓደ ጫፉ እዩ። እዚ ሸንኽ እዚ፡ ነቲ ብሕብረ ብሄራዊ ኣገባብ ዝቐውም ምጥርናፍ ከም ኣረጊት ቅዲ’ዩ ዝቖጽሮ። ኣብ ሃገርና ናይ ትግርኛ ጨቋኒ ብሄር ከምዘሎ’ዩ ዝርኢ። እቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ድማ ናይ ትግርኛ ጨቋኒ ደርቢ ኣልጊስካ፣ ብሄራዊ ፖለቲካ ዝመሰረቱ መንግስቲ ምትካል እዩ።
እዚ ሸነኽ እዚ’ውን ንጉዳይ ዋዕላ ብመንፈስ ምትሕብባር ኣይረኣዮን። ዋዕላ ክግበር ቅሩብ መዓልታት ተሪፍዎ ከሎ፣ ንብሄራት ዝምልከት ናይ ገዛእ ነብሱ ዋዕላ አብ መቐለ ወዲቡ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ሓደስቲ ብሄራዊ ምንቅስቓሳት ከላልዮ ፈቲኑ ኣሎ። ኣብ ናይ ዓለም ዜና ማዕከናት ከአ፣ ብብሄራዊ ኣወዳድባ ተጠርኒፉ ንስርዓት ኣስመራ ብሓይሊ ብምልጋስ፣ ብሄራት ዝመሰረቱ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ መግለጽታት የውጽእ ኣሎ። ትጽቢት ናይ’ዚ ዝምባለ’ዚ፣ ኣብ ዋዕላ ይኹን ድሕሪ ዋዕላ፣ ካብ’ቲ ብዕሊ ኣብ ዜናታት ዝስማዕን፣ ኣካላቱ ዘቃልሕዎ ዘለዉ ርእይቶን ርሑቕ ክኸውን ኣይኮነን።
ሕብረ ብሄራዊ ዝምባለ
ሕብረ ብሄራዊ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብዘይኣፈላላይ ዓሌትን ሃይማኖትን ክጥርንፍ ዝደሊ ዝምባለ እዩ። እዚ ዝምባለ እዚ ውን ኣብ ውሽጡ ብርክት ዝበለ ጫለደታት ከምዘለዎ ክሰሓት የብሉን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ብጽንዓት ነዚ ዝምባለ እዚ ዝጣበቑ ኣካላት እዩ። እቲ ዓብላሊ ርእይቶ ናይ’ዚ ብሕብረ ብሄራዊ ዝምባሌ፣ ንዘሎ ፍልልያት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እንዳወገነ፣ ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ፣ ንኹሉ ጸጋታት ኮነ ስልጣን ሃገር ብማዕረ ዘማቓርሕ ብዘይምእኩል ኣገባብ እተመሐዳድር ደሞክራስያዊት ሃገር ክትቀውም ከምእትኽእል ዝኣምን እዩ። እቲ አብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ከኣ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ዝጭቁን መላኺ ስርዓት ምዃኑ ይመዝን። እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ውን ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትራን አብ መንጎ ጨቛኒ መላኺ ስርዓት ህግደፍን ምዃኑ ይርኢ።
እዚ ዝምባለ’ዚ ዝሐዘ ሸነኽ ብፍላይ ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ’ቶም ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዝውንኑ ገሊኦም ሸነኻት ከቢድ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ዘሎ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ይኹን ኣብ ምድላው ዋዕላ፣ ግደኡን ጽልውኡን ንምሕጻር ብርክት ዝበለ መሰናኽላትን ተጻብኦታት ካብ’ቶም ብዝምባለ ዝራኸብዎ ከይተረፈ ከጓንፎ ጸኒሑ እዩ። ኣገባብ ኣተሓሕዛ ዋዕላ ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖ ድሕሪ ምስሓቡ ከኣ፡ እቲ ሕብረ ብሄራዊ ዝምባለ ኣብ ዋዕላ ድኹም ህላወ’ዩ ክህልዎ። ነዚ እተዓዘቡ ብዙሓት ደቂ ሃገር፣ ነቲ ቅድሚ ዋዕላ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት ይኹን፣ ነቲ ኩሉ ፖለቲካዊ ሃዋሁው ተቓውሞ አብ ግምትን ሚዛንን ብምእታው፣ እቲ ዝግበር ሃገራዊ ዋዕላ በቶም ንሃይማኖታውን ንብሄራውን ፖለቲካዊ ዝምባለታት ዝጣበቑ ኣካላት ዝዕብለል ክኸውን’ዩ ዝብል ግምትን ገምጋምን ከቕርቡ ይረኣዩ ኣለው።
ዋዕላ ዓወቱ ብደረጃ ምድላው’ዩ ዝዕቀን
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዝርከብ ዝምባለታት ኣዝዩ ውሱን ሓበረታ ድሕሪ ምቐራብ ኣብ ዋዕላን ድሕሪ ዋዕላን ፖለቲካዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ እንታይ ክመስል ምዃኑ ድሮ ኣንፈት ረኺብና ኢና። እቲ ኣዝዩ ንጹር ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ዋዕላን ድሕሪ ዋዕላን እንታይ ክመስል ምዃኑ ንባዕሎም እቶም ኣብ ዋዕላ ዝኣትዉ ዘለዉ ኣካላት ሓባራዊ ስእልን ምድላውን ከምዘይውንኑ እዩ። ሓባራዊ ስእሊ ዝጐደሎ፣ ኩሉ ነናይ ውልቁ ሕልምን ባህግን ሒዙ ዝአትዎ ዋዕላ ከኣ፣ ውጽኢቱ ከምዚ ክኸውን’ዩ ኢልካ ንምግማት ኣሸጋሪ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብቑዕ ምድላው ከይገበርካ፣ ናይ ሐባር ዝተወሃሃደ ርእይቶ ከይሐዝካ፡ ብተብተብ ኣብ ዋዕላ ምእታው፣ ንምንታይ ከምእተደልየ ንባዕሉ ንብዙሕ ሕቶታት ዝጽውዕ ነጥቢ እዩ። ኣብ ዋዕላ ንእቶ’ሞ፡ ባዕሉ እቲ ዋዕላ ሓዲሽ ነገርን ሓዲሽ ፍታሕን ክፈጥር’ዩ ዝብል ክስማዕ ከሎ ውን ዝገርም እዩ። በቲ ካልእ ወገን ውን ነቲ ርኡይ ጉድለታት ዋዕላ ኣሪምካ ኣብ ክንዲ ምቕጻል፡ ሕጂ ምስ ጉድለቱ ኣብ ዋዕላ ንእቶ ድሕርኡ ካብ’ቲ ጉድለት ንመሃር ዝብል ኣጉል ሓሳባት ይስማዕ’ዩ። እዚ ከኣ መጀመርያ ንጽደፍ እሞ ድሕሪኡ ጸድፊ እንታይ ከምዝመስል ንመሃር ዝብል ዘሎ ይመስል። ኣብ ምድላው ዋዕላ ዘሎ ጉድለታት ኣሪምካ ምብጋስ እቲ ዝቐለለ መንገዲ ክነሱ ስለምንታይ ሸንኮለል ከምእተደልየ ዝገርም’ዩ። ኩሉ እቲ ሸንኮለል ዘብል ርእይቶታት ገዲፍና ብሓቂ ክንዛረብ እንተደሊና ግን እቲ ጉዳይ ንጹር እዩ። ዋዕላ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ መንፈስን ሃዋህውን ዝቕጽልን ኣብ መወዳእታ ድማ መዛዘሚ ዝቕርብን እምበር ሃንደበታዊ ተኣምር ዝፈጥረሉ መድረኽ ኣይኮነን።
ሓቢርካ ንዋዕላ እንተዘይ ተዳሊኻ
እቲ ብንጽል እተዳለወ’ዩ ንዋዕላ ብኸቢድ ዝጸልዎ
ብመሰረቱ ዋዕላ ዓወቱ ኣብ ደረጃ ምድላዉ’ዩ ዝምርኮስ። ብዝለዓለ ደረጃ ሓቢርካ ተዳሊኻ ዝኣተኻዮ ዋዕላ ውጽኢቱ ዝለዓለ ይኸውን። ብተብተብ ብስንኩፍ ኣገባብን ዘዳለኻዮ ከኣ ውጽኢቱ ምጥቃስ ዘየድልዮ ፍሉጥ’ዩ። ሓቢርካ፡ ተረዳዲእካ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘዕግብ ውጽኢት ክህልዎ መዲብካ ኣብ ዋዕላ ምእታው እቲ ዝሓሸ ምርጫ’ዩ። ይኹንእምበር ሓቢርካን ተወሃሂድካን ክትዳሎ እንተዘይበቒዕካ ግን፣ እቲ ብንጽል ኣጀንዳታቱ ዝያዳ እተዳለወን፣ ነቲ ኩነታት ናብ ድልየቱ ክጥምዝዞ ዝሰርሐን ክምዝብለጸሉ ክሳሓት የብሉን። ንማለቱ እቶም አብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዘድልይዎም ኣካላት ከሰዅዑ እተቓለሱ፡ በቲ ዝረኸብዎ ቦታን ዕድልን ሰዓብቶም ብብዝሒ ኣብ ዋዕላ ከሳተፉ ዝቃለሱ ዘለዉ፡ ሕልንኦም እንታይ ምዃኑ ስቱር የለን። በቲ ካልእ ወገን ውን ቅድሚ ዋዕላ ናይ ገዛእ ነብሶም ዋዕላ ኣካይዶም ክገብርዎ ዝደልዩ መደባት ኣብ ዓለማዊ ዜና ዝዝርግሑ ዘለው፤ ንዋዕላ ብብሕቱው መደባቶም ክጸልውዎ ይዳለዩ ምህላዎም ሕቡእ የለን። እቲ ዝካየድ ዋዕላ ንኸምዚ ዝመስል ብሕቱው መደባት ዝምርቕን ዘሳስን መጋባእያ ከይቅየር ዝሰግኡ ኣካላት እምብኣር፡ ስግኣቶም ካብ ባዶ ከምዝይብገስ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተርእዮታት ገለ መረጋገጺ ይህብ እዩ።
ውጽኢት ዋዕላ
ካብ’ቲ ኣብ ምድላው እተራእየ መንፈስ ህልኽን ውድድርን ከውጽእ ድዩ?
ሓባራዊ ስእልን ምድላውን ኣብ ዝቦኾረሉ ኩነታት፡ እቶም ኣብ ዋዕላ ዝኣትዉ ዘለዉ ኣካላትን ብዝምባለኦም ንውሳኔታት ዋዕላ ብኸቢድ ክጸልውዎን ክውስንዎን ከምዝፍትኑ ምርኣይ ኣገዳሲ ትዕዝብቲ እዩ። ይኹንእምበር ኣብ ውሽጢ ዋዕላ ዝፍጠር ፍሉይን ሃንደበታውን ተርእዮታት ጨሪሱ ኣይህሉን’ዩ ክበሃል ኣይክእልን። እዞም ፍሉያትን ብሃንደበት ክረኣዩ ዝኽእሉን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ምልክቶም ብምልኣት ዘይርኣዩና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ውሽጢ እቲ ንምትሕብባርን ምድግጋፍን ረጊጹ ንምውድዳርን ምትህልላኽን ኣትሪሩ ሒዙ ዘሎ ኣካላት ይንኣሱ ይዕበዩ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣካላት ከምዘለዉ ውን ፍሉጥ እዩ። እዚኦም ብዓቕሞም ዝጻወትዎ ተራ ክህሉ እዩ። ይኹንእምበር እቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ፍልልይ ክውግን ዘይበቕዐ ኪዳን ንዋዕላ ይውድብ ምህላው፡ ድሮ እቲ ዋዕላ ከይተኻየደ እቲ ጉድኣት ተረኺቡ እዩ። ዋዕላ ንፍሉይ ኣካል ዘዕግብ ንኻልእ ኣካል ህዝብና ድማ ዘየዕግብ መስርሕ ተኸቲሉ ምህላው ብሩህ ኮይኑ እዩ። ውጽኢት ብኸምዚ ዝመስል ኣገባብ እተዳለወ ዋዕላ ከኣ ካብ ውድድርን ህልኽን ውጺኡ ጠርናፍን ኣካብን ግደ ክጻወት ዝነበሮ ሰፊሕ ዕድል ዘጥፍአ እዩ።
ብርግጽ ድሕሪ ዋዕላ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ክቕየር እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ምቅያይር ክንርኢ ድሕሪ ዋዕላ ዘሎ መድረኽ ክንጽበ ግድን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድሮ እቲ ጽባሕ ዝኸውን ሎሚ ምልክት ኣርእዩና እዩ። መንፈስ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘድክም፡ ንመንፈስ ውድድርን ህልኽን ዘተባብዕ ኩነታት ድሮ ተፈጢሩ እዩ። ዋዕላን ድሕሪ ዋዕላን ከኣ ብሃንደበት ካብዚ ዝፈለ ኩነታት ብተኣምር ክፈጥር ምዃኑ ንኡስ ምልክት ኣየርኣየን ዘሎ።
ቃልሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ንዓወት ድዩ ወይስ ንፍሽለት ዋዕላ?
እቲ ቀንዲ ዓላማን ተስፋን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዋዕላ ንዓና ነቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ሰፊሕ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብሓሳብ ከም ዝካፈል ምግባርን ንምጥርናፍን እዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ንፍልልዩ ወጊኑ ብሓደ ተሓባቢሩ፡ ነቲ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ባዕሉ ተዀድጩ፡ ንሃገርና ዘዳኽምን ንህዝብና ዘጽንትን ዘሎ ስርዓት ኣብ ምልጋስን እጃምና ከነበርክትን፡ ንኵላትና ደቂ ሃገር ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ዓሌትን እትጥርንፍን እትሓቍፍን ዲሞክራስያዊት ሃገር ኣብ ምህናጽ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ምቅላስን ኢዩ። እዚ ከኣ ንዅልና ደቂ ሃገር ዝምልከት ዕማም እምበር ውሱናት ሰባት ዋዕላ ገሮም ብዘሕልፉዎ ውሳኔታትን ጽሑፋትን ዝውዳእ ኣይኰነን። ስለዚ እቲ ዝግበር ዋዕላ ንኵሉ ክሓቍፍን ክጥርንፍን ክኽእል ሰፊሕ ጐስጓስን ግሉጽ ሓባሬታትን ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ብንጡፍ ዝሳትፈሉ ክፉት ማዕጾ እውን ክህልዎ ዝግባእ ኢዩ።
ስለዚ ከኣ’ዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይንትሃወኽ ኣቐዲምና ንሕና ኣባላት ‘’ኪዳን’’ ንባዕልና ንረዳዳእን ንሰማማዕን፡ ቀጺልና ከኣ ኣብቲ ከነካይዶ ንሓስብ ዋዕላ ርእይቶታትን ሓሳባትን፡ ለበዋታትን ሓበሬታትን ህዝብና ንኣክብ ብማለት ደጋጊሙ ጻዕርታት ዘካየደ። ሰማዒ ምስ ሰኣነ ከኣ ኣብ ዘይተዳለኹሉን ዘየጽናዕኩዎን፡ ክዕወት ምዃኑ ኣብ ዘየረጋገጽኩዎ ዋዕላ ኣይኣቱን ዝበለ። እቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብዘይመጽናዕትን ብዘይስምምዕን ዝግበር ዋዕላ ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ከም ዝበዝሕ ስለዝፈልጥ ጥራሕ ኢዩ። ዋዕላ ዘዓውት መንገዲ ሒዙ ከምዘይተበገሰን ከምዝይተኻየደን ጌና ውን ዘየዓውቶ ፍሉይ ምንቅስቓሳት ንርእን ንዕዘብን ምህላውን ክንሰትር ከኣ ሕልናና ኣይፈቕዶን እዩ።
ረብሓና ኣብ ዕዉት ዋዕላ እምበር ኣብ ፍሹል ዋዕላ ኣይኮነን። ኩሉ ዝገበርናዮ ጻዕርታት ኣብ መስርሕ ምድላው ዋዕላ እተራእየ ጉድለታት ተኣሪሙ ዋዕላ ነቲ ኣብ ኪዳን እተጠርንፈ ይኹን ዘይተጠርነፈ፡ ነቲ ኣብ ሰልፍታት ይኹን ኣብ ሲቪክ ማሕበራት ዝርከብ፡ ነቲ ውዱብ ይኹን ዘይውዱብ ህዝብና ብሰፊሑ ዝእክብ ኣቕጣጫ ክሕዝ’ዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ቀዳማይ መበገሲ ገርና ዝረአናዮ እቲ ንዋዕላ ዘሳሲ ዘሎ ኪዳን ኣብ ውሽጡ ዝርከብ መንፈስ ውድድርን ህልኽን ወጊዱ ብመንፈስ ምርድዳእን ምትሕባብርን ኣብነት ኮይኑ ክመርሕን ንዋዕላ ክዳሎን እዩ። ብጀካ’ዚ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታትን ንዋዕላ ዘገድስ መጽናዕትን ወረቐቓትን ንዓመታት ክቕርቡ ድሕሪ ምጽንሖም ሎሚ ርእይቶኦም ጠርኒፎም ምስ ኪዳን እንዳተደጋገፉ ንዋዕላ ዝኸውን ረቂቕ ከቕርቡ ዕድል ክረኽቡ ነይርዎም። ህዝቢ ውን ብሃንደበት ኣብ ዘይፈልጦ ኣጀንዳታት ንዋዕላ ካብ ዝጽዋዕ ንድፊ ኣጀንዳ ዋዕላ ቀሪቡ ህዝቢ ክካተዓሉ እኹል ግዜ ክረክብ ነይርዎ በሃልቲ ኢና።
ብርእይቶና፡ ዋዕላ ህዝብና ዝዋስኣሉ መስርሕ ድኣምበር፡ ናይ መዓልታት ክትዕ ፖለቲካውያን ጥራይ ገርና ኣይረኣናዮን። በዚ ምኽንያት ናብተን ውሱናት መዓልታት ዋዕላ ንምእታው ካብ ምጉያይ ንመንፈስ ህዝብና ኣብ ሓደ ርጉእ ሃዋህው ዘምጽእ ተጠርኒፍና ብብሩህ ኣርኣእያ ንመለኽቲ ክንምክት ኣብ ዘብቅዕ ሃናጺ ክትዕ ንህዝብና ከነእትዎ ኢና እንመርጽ። ከምዚ ዝመስል ርእይቶ ሒዙ ዝቃለሰ ሓይሊ እምበኣር፡ ንፍሽለት ዋዕላ ዝምነ ሓይሊ’ዩ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣይክእልን እዩ። ንዋዕላ ዘፍሽል መንገዲ፡ እቲ ዝተኸተልናዮ መንገዲ ዘይኮነስ፣ እቲ ብጉቡእ ከይተዳለኻን ህዝብኻ ከየዳለኻን ናብ ዋዕላ ንምእታው ምህዋኽ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓና። እቲ ብወገን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ይኹን ብኻልኦት ወገናት ዝቐረበ ምስጢር ስለዘይኮነ ከኣ፡ ታሪኽ መዝጊብዎ ኣሎ። ታሪኽ ግን መዝጋቢ ተረኽቦታት ጥራይ ዘይኮነ ፈራዲ ውን ስለዝኾነ ኣብ ዝጸንሐ ክትዕ ታሪኽ ዝመስሎ ፍርዲ ክህብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
ንጡፍ ተራ ህዝብና ክተባባዕ ኣለዎ
እቲ ናይ ታሪኽ ጉዳይ ንታሪኽ ገዲፍና ኣብ’ቲ ኣብ መንጐ ህዝብና ዘሎ ክትዕ መወዳእታ ርእይቶና ከነቕርብ ንፈቱ።ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና ንኹነታት ድምበ ተቓውሞ ብዓቕሙ ይከታተሎ ምህላዉ ፍሉጥ’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዝድለ ዘሎ ግን ልኡም ተኸታታሊ ምዃን ጥራይ ዘይኮነ ንጡፍ ተዋሳኢ ምዃን እዩ። እቲ ቃልሲ፡ ቃልሲ ህዝቢ ካብ ኮነ፡ ህዝቢ ብትዅረት ንምንቅስቓሳት ደምበ ተቓውሞ እናተኸታተለ ብንጡፍ ተርኡ ክጻወትን ንዕድሉ ኣብ ዝውስን ጉዳይት ድምጹ ከስምዕን ዝሕተተሉ እዋን ምዃኑ ከነስምረሉ ንደሊ። እቲ ኣብ እተፈላለየ ከባቢታት ንጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ ንምርዳእን ንመጻኢ ጉዕዞታት ንምግማትን ዝካየድ ዘሎ ክትዕን ምርምርን ድማ ኣተባባዕቱን ደገፍቱን ምዃንና ክንሕብር ንፈቱ።
መደምደምታ
ድሕሪ ዋዕላ ከመይ ዝመስል ኩነታት ክህሉ ምዃኑ ንምርዳእ ንህሉው ኩነታት ምንባብ ከምዘድልየና ርኢና ኢና። ድሕሪ ዋዕላ እንታይ ክህሉ’ዩ ኢሉ ዝሓትት እምበኣር ሎሚ እንታይ ይግበር ምህላው ንምፍላጥ’ዩ ክሓትትን ክመራመርን ዘለዎ። ዘይዘርኦ ምህርቲ ክሓፍስ ዝጽበ ሓረስታይ ኣይህሉን እዩ። እቲ ድሕሪ ዋዕላ እንርእዮ ድማ ፍረ እቲ ቅድሚ ዋዕላ ክንዘርኦ ዝጸናሕና ፖለቲካ’ዩ ክኸውን።
______________
ዓርኮከባይ: እዚ ጽሑፍ ካብ መርበብ ሓርነት ዝተወስደ እዩ::
Powered by Azrul's Jom Comment |
|
| Last Updated ( Wednesday, 14 July 2010 ) |
| < Prev | Next > |
|---|





