Radio Arkokabay
Radio Arkokabay
English
Home
Articles-Opinions
Interviews
History
Documents
Radio Meselna
Radio Erena
Arko Facebook
Afar Affairs
Contact us
About us
Polls
Arkokabay Editorial
Editorial:Reflections and Directions

Wednesday, 01 September 2010 | Arkokabay Team

 at the risk of being accused of siding with one side of the opposition against “another”, we praise the EPDP for their far-sightedness and consistent position on the issue of the “EDA...
+ Read More

Other Articles
Afar Affairs
Afar Refugee Camp, in Aysaita and Barhlee

Tuesday, 31 August 2010 | Human Concern International

A Humanitarian Crisis HELP NOW Afar Refugee Camp, in Aysaita and Barhlee Total Registered Afar Refugees: 24, 000  Severe malnutrition/Starvation  Diarrhea  Increasing...
+ Read More

Other Articles
New Titles
First NA EPDP Regional Congress

Saturday, 28 August 2010 | EPDP-North America

 The congress reaffirmed support for the peaceful and democratic strategy of struggle EPDP adopted in the fight against the PFDJ ruling regime in our country. This is effective and realistic...
+ Read More

Other Articles
Newsflash
EDA Conference without EPDP

 The Eritrean National Salvation Front (ENSF) led by Ustaz Ahmed Nasser has so far been the first to call for a realistic approach to the EDA conference in an internal letter allegedly written by leading ENSF members, including Ustaz Nasser, as well as through an official statement issued on 21 June 2010, in which they reminded the public that the EDA conference was only a step towards more similar events.

Read more...
 
ንለባምን ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፡ PDF Print E-mail
Written by ሃይለ፡ ወልዱ   
Friday, 16 July 2010

ያኢ ብዓይነት ተሪፉ 10 ተቓወምቲ ውልቀሰባት 10 ውድባት ብምስራሕና ካን ዘድማዕና ኮይኑ ዝስመዓናተቓወምቲ ሎሚ ዝበን፡ጉድና ይፈለጥ…ተቕውሞና ንመን ከም ዝቃወም ተደናጊሩዎ ብዘይ ቁምነገር ዓጸቦ ኣትዩዎ ናብ ህሉው ሬሳ ተቐዪሩዩ…ኣይፋልካን ኣንታ ትዃን!” ኣብ ክንዲ ምባል ካን ጣቋ ተደልዩሉስ፡ ሓንሳብ ብዓሌት፡ እንሓንሳብ ብሃይማኖት፡ ኣብ ገለ እዋናትውን ብኣውራጃ፡ ወረዳ፡ ዓዲ፡ ማይ ቤት ኮታ እምንን ዕንጨይትን ተወሲኹዎ፡ ኩሉ ኣብ መልክዕ ኤርትራ እምበር ንኤርትራና ዘይመልእ ዓዘር ቖዘር ቁምንገር ኮይኑስ፡ ከም ፍታሕ ናይ ተካል ሕሰም ኮይኑ ክቐርብ ይወዓልን፡ ይሕደርን ኣሎ…ነዚ ዘይውቁብን ዘይጥቁውን ቃልሶም፡ ያኢ ጋማ ክኣስሩሉን ወረግ እተኾይኑሎምውን ኣብ ዘይእንታዮም ተሰቒሎም ሃገር ክዘምቱ ዝዕጠቑ ዘሎዉ ጸናጹ ንሪኢ ከይንህሉ እፈርህ ኣሎኹ።

 *******************************************

 

ንለባምን ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ፡

እንተ ንዓሻ ግን ደርጉሓሉ ኣበይ ከይፈልጦ።

 

ብርኽቲ ሃገርና፡ ብሳላ ዘይተሓለለ መስዋእቲ ደቃ፡ ከም ኩለን ሃገራት ዓለምና ከተፍርን ክትፈርን ካብ እትዳረግ ዳርጋ 20 ዓመታት ኮይኑ እኖሆ። ብዘይሕብእ ምብእውን፡ ንወዮ ዝፈረየ ቁሩብ ቁራቦ ለለልዩ ንበይኑ ዝቛርፍ ተካል ስርዓት ኣጋጢሙዋ ብጥምየት፡ ብንድየት፡ ብስእነት፡ ብሙህሮ መዳርግቲ ዳርጋ ዝተሳእና ድሕርቲ ሃገር ዝብል ኣኽሊል ለቢሳ ኣላ። ብዘይካ ነቶም ከም ከልቢ ቁንጣሮ ዝምንጠዉ ዳርጋ ለማኖ ዓውዲ ዘሕበኑላን ዝኾርዑላን ውሑዳት፡ ዝተረፍናስ እተሕንኽ ሃገር ኮይናትና፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑና ተዓዚምናእህህ!” ክንብል ንርከብ።

ንሃገርና መሊኹ ዝንዉነው ዘሎ ስርዓት፡ ወዮ መትካእታን መዋድቖን ተደናጊሩዎ: መን ይፈልጥ ካብኡ ዝሓይሽ ስኢኑ:  ንባዕሉ ኣብ ድነ ተሓቢኡ፡ ሃገር ብሙሉኡ ኣብ ጸላም እንተንበረስ፡ ንምንታይ ዘይፈልጦ ገበረ ዝበሃል ኮይኑ? ወዮ ደኣ፡ሎሚ ኾነ: ሓምለ ኾነኮይኑምበር፡ ሕልሚ ስርዓት .... ኣብ ንእስነት ገለ መራሕቲ ዝለሓዅ ወኒ ጦብያዊ ዴስነት፡ ሕጂ ሽራራን ኩርማጅን ዝወነነ በዓል 44 ቆለ በቒዑ ቻይናን ኮርያን ኣዚዙ  እነተዘይተሸሪጡሉ መዓስ ፍታሕ ከምጽኣልና ኮይኑ። ግን እዞም ሰብ ቆለ ደጊም ኣሪጎም እንድዮም  ዝፍትኖም ደኣ ስኢኖም ኣሎዉምበር ብመለክያ ኣረቂ ምተጋለጋሉልና ነይሮምዮም።

ተቓውሞና ማዕረ ናጻዊት ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ብኹኑኡውን እንድዩ፡ ማለት ጽባሕ ጽባሕ ዝንክን ዝውስኽን፡ ኣብ ገለ ገለኡውን ምግምዳሕ ዘይገደፈ ሃብታም ተሞክሮዩ።  ያኢ ብዓይነት ተሪፉ 10 ተቓወምቲ ውልቀሰባት 10 ውድባት ብምስራሕና ካን ዘድማዕና ኮይኑ ዝስመዓናተቓወምቲ ሎሚ ዝበን፡ጉድና ይፈለጥ። ህዝቢ ዘይፈልጦም ዝነበሩ ውድባት ካን ፖሊቲካዊ ተቓውሞና ወርጺጹ ተባሂሉ፡ ኣብ ጽፍሒ ተቓውሞና ብዘይጣባያቶም ተጸንቢሮም፡ ብዘይብእኦም ንቡሱሩ ሃሊኻ ንዝጸንሐት መንኮርኮር ተቓውሞና ተርፈንኣ ዝነበራ ስብሒ ሃሊኸን ብሕጺጽ ባዕልና ጸሚምና ንሰማዒናውን ካብ እነሸግር መዓስ ግዜ ሓጺሩ።

ተቕውሞና ንመን ከም ዝቃወም ተደናጊሩዎ ብዘይ ቁምነገር ዓጸቦ ኣትዩዎ ናብ ህሉው ሬሳ ተቐዪሩዩ። ንሃገርና ዓትዒቱ ደም ዝሓጉማ ዘሎ፡ኣይፋልካን ኣንታ ትዃን!” ኣብ ክንዲ ምባል ካን ጣቋ ተደልዩሉስ፡ ሓንሳብ ብዓሌት፡ እንሓንሳብ ብሃይማኖት፡ ኣብ ገለ እዋናትውን ብኣውራጃ፡ ወረዳ፡ ዓዲ፡ ማይ ቤት ኮታ እምንን ዕንጨይትን ተወሲኹዎ፡ ኩሉ ኣብ መልክዕ ኤርትራ እምበር ንኤርትራና ዘይመልእ ዓዘር ቖዘር ቁምንገር ኮይኑስ፡ ከም ፍታሕ ናይ ተካል ሕሰም ኮይኑ ክቐርብ ይወዓልን፡ ይሕደርን ኣሎ።ንበዓል ነጎዳስ ብሓዊ ትኩሶ።ከምዝበሃልውን ወዮ ብዘይብኡኡ ደርገፍገፍ ክብል ዝጸንሐ ተቓውሞ ዓሌትናባ፡ ሃይማኖትናባ፡ ወገንና ደኣ ዝብሉ ዲምክራሲ ዘየርክቦም፡ ፍትሒ ዘይትንክፎም፡ ማዕርነት ዝመነዉ፡ ንኣሽቱ መለኽቲ መሕብኢ ገይሮሞ። ንወዮ ምድሕርሓር ዝበሃል ማቕ ለቢሶም ጥራሕ ከይኣክል፡ ከይሓነኹ ንኽረኣዩሉ ንሰማይ ገጾም ተበርጢጦም ዘንቃዕርሩሉ እዋናት ኣርኪብናሉ እኖና።

ተቓውሞና ካብቲ መሰረቱን መስመሩን ኣልጊሱ ኣብ ቀንጠ መንጢ ንኽወርድን ብግቡእ ንኸይገጥምን ንኸይድምዕን፡ በዞም ካብ ውሑድ ዝቖናጥሩ፡ዘበናውያንኢና በሃልቲ ንኽሕልቑዎ ይፈታትኑ ኣሎዉ። ተቓውሞናን ትሕቲ 1% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓቚፉ ምህላዉ ኣዕርዮም እንዳፈለጡ ልዕሊ ዓቕሞም ዝትርበቡ፡ ዘይናቶም ስልጣን ዘማቓርሑን ኣብ ሕልምታት ጥራሕ ዝነብሩን፡ ዝተጠልቅዑ ትዃናት ጉድ ገይሮ ኣሎዉ ንቓልስና።

ሕጂ ኸኣ እዚ ጥራሕ ከይኣኽለና፡ ነዚ ዘይውቁብን ዘይጥቁውን ቃልሶም፡ ያኢ ጋማ ክኣስሩሉን ወረግ እተኾይኑሎምውን ኣብ ዘይእንታዮም ተሰቒሎም ሃገር ክዘምቱ ዝዕጠቑ ዘሎዉ ጸናጹ ንሪኢ ከይንህሉ እፈርህ ኣሎኹ። ግን ሓደ ክፈልጡዎ ዘሎዎም፡ ብሱሩ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕጂ ኣብ ስልጣን ሃገርና መሊኹ ንግዜኡ ኣደናጉዩዎ ዘሎ፡ ከዳንጉዩዎ እምበር ካብ መትከላቱ ከዘናብሉዎስ ፍጹም ኣይኮነሎምንዩ። መኽንያቱ ዕጥቅና ኣንጻር መን ብዘይገድስ፡ ቃልሲ ህዝብን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ስለዝኾነ ዝስዕሮ ፍጹም የልቦን።

ይፈቶ ይጸላእ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት .... ሕልሚሎዎ። ሕጂ ሕብእ ይውዓሎ ይሕደሮ ጦብላሕታ ውልቀሰብ ዝደረታዴሳዊት ኤርትራንምህናጽዩ። ስለዚውን፡-

-ጸረ ሃይማኖት?

እወ!!!!!!!!!!!!!

ምዃን ደኣ ኣብዩዎምበር እተን ሰሙናውያን ቅዱሳት መዓልታት፡ ማለት ዓርቢ ንእስላም፡ ሰንበትን ንኽርስትያን፡ እቲ ሃይማኖታዊ ትርጉመን ከየገደሶ፡ መዓልቲ ቐዳም ከም ማእከላዊት ክመርጽ ዝተወናወነ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝፈተነውን እንድዩ።

እቲ ሓቂ እዚ እንክንሱ፡ ሕጂ ኣብ ተቓውሞና ዝስማዕ ዘሎ ቃንዛ እንታይ ምዃኑ የደናግረካ። ማለትሲ ኣብ ኢዱ ዝተሃስየ ሰብ፡ ቃንዛኡ ኣብ ኢዱ እንክንሱ፡ ቃንዛይ ኣብ ኣግረይ ዘሎ ዳርጋ ምባል ኮይኑ። ፈዋሲውን ኢድ ገዲፉ እግሪ ክሕክም ከንቱ ጻማዩ። ምሕዋይውን የልቦን፡ ምጉናይ እንተዘይኮይኑ። እሞ ንምንታይ እዮም እዞም ብስሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዓትዒቱ መሊኹ ንዘሎ ስርዓት ንምልጋስ፡ ኣብ ዋንነት ናይ ጸገም ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝዛረቡ፡ ኣብ መላግሶ መንገድታት ዝጓዓዙ? ዶኾን ነቲ ምልኪ ዝብል ጥምረሕሳብ መግለጺኦም ዝፈላለ ኮይኑ? ምናልባት። እሞ ምልኪ እንታይ ግዲዩ?

ምልኪ፡ ብምርጫ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ውልቀሰብ ንስልጣን ሃገር ባዕሉን ብዝደለዮን ብሓይልን ከጓዓዕዞ ክፍትን እንከሎ ዝግለጸሉ ዓይነት ምሕደራዩ። መላኺ ቀንዲ ጸላኢ ማዕርነታዊ መሰላት ደቂሰባትዩ፡ ስለዚውን ውልቀመሰላቱ ካብ ኩሉ ወዲሃገር ንላዕሊ ሓለፋ ኣሎዎ። 

ደቂሰብ ምስ ነጻነቶምዮም ዝውለዱ፡ ከምኡውን ብመሰልን ክብረትን ማዕረዮም። ናይ ምሕሳብን ምትግባርን ፍሉይ ተውህቦ ስለዘሎዎምውን ኣብ ሓድሕዶም ብሕውነታዊ ሂወት ክነብሩ ኣሎዎም።እዩ ዝብል እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዓለምለኻዊ መስልደቂሰባት ንምኽባር ኣብ 1948 ዝጸደቐ ኣዋጅ መሰላት ደቂ ሰብ።

ኩሎም መለኽቲ ብኣንጻርነት ናይ ኣምር ዝነብሩ ዓመጽትን ጸረ ብዙሓትንዮም። ስለዚዮም እውን ቆጽሊ ህዝቢ ዘይወደቖም ዝበሃሉ። መራሒ: ቆጽሊ ህዝቢ ክህሉዎ ወይውን ፍቓድ ህዝቢ ክረክብ፡ ብኡ መሰረትውን ክለቅቕ: ንኣወኻኽላኡ ዘድሊ መሳርሒ ወይ ቅዋም ክህሉ ኣሎዎ። በዚ መዓቀኒ እዮምውን እዞም መለኽቲ ጸረ ብዙሕነት/ዲሞክራሲ ከምኡውን ጸረ ህዝባዊ ቅዋማዊ ስርዓታት ዝኾኑ።

እሞ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መላኺ ስርዓት፡ ብኸመይ ተሓላቒ ሃይማኖት ዝበሃል? ብፍሉጥ ኣይኮነን። ግን እንታይ ይገበርይኣኽለና ብዝሓለፈ፡ ይምሓረና ብዝተረፈ።ከምዝባሃል፡ ንዝሓለፈ እንታይ ዝበሃል ሃልዩዎ። እቶም በሃልቲ ኣብ ልቦም ይምለሱ ይኾኑ። ግን ሕጂብሔረ ትግርይናዝበሃሉ ምትእኽኻብ ካብ ተቐልቀሉ፡ ኣቦታት ከምዚ ምስ ረኸቡዮምተሓጺብካስ ኣብ ጭቃ።ዝብሉ። እሞምንቅስቓስ ክርስትያንዝብል እንተሰዓበ እንታይ ዋሕስ ዝዕገቶ ጉዳይ ኮይኑ? ግን መን ይፈልጥ፡ ኣሎና ዝብሉ እንተተረኽቡ ምስ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ቅዋም መሰላት ደቂሰብ ብኸመይ እዮም ክወሃሃዱ? ኣይፋል ኣይከውንንዩ።ገመል ሰሪቕካስ ጉምብሕ ጉምብሕ።ኣይከውንንዩ። ብስም ሃይማኖት ኣመሳሚስካ ፖልቲካዊ ስልጣን ኣብ ሃገርና፡ ኣይሰርሕንዩ። ምናልባት ምትእኽኻብ ደረኽቲ (ፕረዥር ግሩፕ) እንተዝኾኑ ዓቢ ቁምነገር ምኾነ።

እሞ ፖሊቲካውያን ሃይማኖታውያን ውድባት ይኹኑ ምንቅስቓሳት፡ ማዕርነታውያን ክኾኑ ዘይከኣል ስለ ዝኸውን፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ስልጣን ክተኣታተዉ እንተኾይኖም፡ ብኡንባኣኡ መለኽቲዮም። ስለዚውን ምልኪ ንምልጋስ ብቕዓት የብሎምን። ምናልባት ብሰንኪ መግዛእቲ ይኹን ምልኪ ፍልልይ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ዝተፋለለዩ ሃይማኖታት ርሒቡ፡ ንኹሉ ብማዕረ ምጥማቱ ንባዕሉ ዘይማዕርነት ዝብል ሓሳብ መን ክጸልኦ? ነዚ ፍልልይ ንምጽባብ ምጥማራት የድሊ እንተተባሂሉ፡ ቅድዊ። ብኸምዚ ዝሕለቑን ፍታሓት ዘናድዩን፡ ዝሕግዙን ዝቃለሱን ኣይምተጸልአን። ዝጽላእ ዘሎስ ነዚ ራኢ ብመትከል ንዝኣመነን እሞ ንዝቃለሰሉ ዘሎን ኽቃለሰሉ ዝወሰነን ንዝተቓለሰሉንውን፡ ከምቲ ኣበዋትና ዝብሉዎ፡ደረቕይና ጓልሲ ንወላዲታ ሕርሲ ክትምህር ትመጣጠር።ከምዝበሃል ቋንቋ ቀዪርካ፡ ኣበሃህህላ ኣመዓራሪኻ ከም ሓዲሽ ዝተፈጠርካ ሓኪም ምምሳል ኣይጣቋን። እኳደኣ ፍልልያት ህዝብና ንምጽባብ ትሕተ ቅርጻታት ሃገርና ብጉቡእ ክማቓራሕ ክኽእል ኣሎዎ፡ ማለትእቲ ድሒሩ ዝበሃል ህዝብና ነቲ ቀዲሙ ዘሎ ምእንታን ንኽመዓራረ ሓለፋታት የድልዮዩ።እንዳበለ ንመዋዕል ዝተቓወመ ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ራኢ፡ ብዘይ ምሕረት ከም ኣካልን ኣምሳልን ናይ መላኺ ስርዓትን ጸረ ማዕርነታዊ ሓሳብን ጌርካ ብምግላጽ ንምግላል ዝግበር ዘሎ ዓለታዊ፡ ሃይማኖታዊ ዘመተ ጽበት ኮይኑ ንምልኪ ዝቕልብ እንበር ከውድቕ ዘይብቅዕ ጎናይ ተግባር ኮይኑ ዘይጥቁውዩ። 

ዝገርም እኮዩ። ካብ መዓስ ኣብ ፖሊቲካዊ ዲምክራስያዊ መስርሕ 50% ድምጺ ኣሎኒ ሃገር ክመርሕ ይኽእል ብምባል ንኹሉ ዝተርፈ 50% ኣይተድልየኒን ኢኻ እንዳበለ ብኣዋጅ ዝዳግን? ሕጂ ኣብ ተቓውሞና ንርእዮ ብምህላውናን፡ ንዋዕላ ኣዲስ ክመልኽ ተኣንጎት ተሸብሸብ ይበሃል ምህላዉን ድንቂዩ። እንተገደድ ገደድስ 51% ድምጺ ክረክብ እኳ ኣይበሃልን? ነታ 1% ድምጺ ንምውሓስ ፖሊቲካዊ ጣቋ፡ ምብልሓት፡ ምጽማድ የድልዮዩ። ግን መለኽቲ፡ ጽምዶ ዝበሃል ኣይፈልጡንዮም፡ ምምላኽምበር። መኽንያቱ ጽምዶ እንካን ሃባን ስለ ዝደሊ ማዕርነታዊ ባህሪ ኣሎዎ።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብድሕሪ ምልጋሱ፡ ሃገርና ብማዕርነት ክትመሓደር ኣሎዋ ዝብሉ ግን ብኡ ንብኣኡ ነት ሓቀይና ትርጉም ማዕርነት ክዕምጹ ዝደልዩ እንዳተዋሃላለሉ እዮም። ግን ኣብ ማዕርነት እቲ እንኮ ኤርትራዊ፡ እታ እንኮ ኤሪትራዊት ኣበይ ክሓብኡዎ ይደልዩ? እቲ ማዕርነት ካብዚ ብሩህ ነጥቢ ክነቅል ክሳብ ክንደይ ምቐለለ? እቶም ካብዚ መባእታዊ መበግሶ እንጥምት ንምልኪ ንኽንመዝኖ ኣየጸግመናን እዩ። እወ ንሕና ዕልማናውያን መበገሲናን መብጺሒናን ንሱዩ። እንታይዶስ ኣበይዶስ ኢሉ ኣብ ጓል መገዲ ዘማስን ዝሓድርን ኣይኮነን።

እቲ ዝገርም ገለ ፈላጣት ኢና ብሃልቲ ከም ዝነግሩና ዘሎዉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ክካየድ ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ ብደውኩም፡ መጻኢት ኤርትራና፡ ስልጣናታ፡ ምሕደራታት ተር ከም ዓተር ፍርቂ ብፍርቂ ክሕዛእ ኣሎዎ እንተዘይኮይኑ ብቑልቁል ኣብ ክልተ ክትጉዘ ይብሉ። የፍርህ። ዝገርምዩ። ግንምብላዕካ ዝለመደስ፡ እንክሪአካ ይንባሁቕ።ከም ዝበሃል፡ እዞም ኣብ ምፍልላይ ብምንባር ያኢ ፖሊካዊ ስልጣናቶም ከውሕሱ ዝደልዩምሁራትንምፍልልያት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ መጢጦም፡ ህዝቢ ፈላልዮም፡ ስልጣናቶም ክከረጋግጹ እንተደለዩ ሓዲሽ ምህዞ ኣምጺኦም ማለት ስለ ዘይከውን፡ እቶም በዚ ኣንጻር ንውሕስነት ፖሊቲካዊ ስልጣኖም፡ ሃይማኖት ዘይዓግቶ፡ ዓሌት ዘይድርቶ፡ ጂኦግራፍያዊ ሕንጻታት ዘይመልሶ፡ ኣብ ናጽነት ውልቀ ኤርትራዊ ኣንሳፊፉ ሰላማዊት ሃገር ብምውሓስ፡ ናጽነት ህዝባ ኣዕኲኻ ካብኡውን እትቕለብ ምዕብልቲ ኤርትራ ንምትካል ጽባሕ ዘይበሃሎ ዕጥቂ ሎሚ ስለ ዝኾነ ብዘይስክፍታ ሕጂ ዓቲቦም ክብገሱ ኣሎዎም። ሎሚ እምቢ ክበሃል ንዝግባኦ፡ ሎሚ መዓልቲእምቢ!’ ክብሉ ክኽእሉ ኣሎዎም። ኤርትራ ንድሕነት ክንመርሕ እንተደሊና ኣብ ድሕንነታዊ ኣጀንዳታታና እምበር ኣብ ፈላለዪ ኣጀንዳታቶም ክንነብር ኣይግባእንዩ።

ደክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ጸረ ዓሌት?

እወ!!!!!!!

ደክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ጸረ ብሔር?

እወ!!!!!!!!

ደክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ጸረ ሰብኣውነት?

እወ!!!!!!!

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጸረ ኹሉ?

እወ!!!!!!!

ስለዚ ብዛይካ ሓቢርካ ምቅላስን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኮታ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምባለታቱን መንነቱን  ናጻ ምውጻእ መተካእታ የልቦን።

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!

ሃይለ፡ ወልዱ።

ሎንዶን።

 

Comments (0) >> feed
Write comment


Write the displayed characters


Powered by Azrul's Jom Comment
busy
 
< Prev   Next >
راديو عركوكباي
راديو عركوكباي
عربي
الصفحةالرئسية
أراء ومقالات
حوارات
التاريخ
من نحن
راديو مسلنا دلينا
راديو ارينا
قضايا عفرية
كلمة عركوكباي
اتصل بنا
كلمة عركوكباي
تأملات وخيارات

Wednesday, 01 September 2010 | كلمة عركوكباي

 اذا كانت "المفوضية" مستقلة عن التحالف تماما وتستمد شرعيتها ومرجعيتها من الملتقى الأخير ومن الجهة...
+ Read More

Other Articles
Arkokabay Facebook


مقالات حديثة
رحيق المنابر -18

Friday, 03 September 2010 | اخوكم / محمد جمعة ابو الرشيد

        يفهم من النصوص بأن الخصومات كانت سبب فى اخفاء ليلة القدر ، فهل يمكن أن تكون سببا ايضا في...
+ إقراء مزيد

مقالات أخرى
 

© 2010 Welcome to Shakat.com - ما ينشر من مقالات في موقع عركوكباي.كوم يعبر عن رأي صاحبه ولا يعبر بالضرورة عن رأي الموقع والقائمين عليه. The views expressed in articles published on Arkokabay.com are those of the authors alone. They do not necessarily represent the views or opinions of Arakokabay.com or its Editorial Board
 Seitenanfang